ሊቀጳጳስ ብፁእ ኣቡነ ኤርሚያስ ማሕበረሰብ ዓለም ቅርሲ ቅዱስ ላሊበላ ንክርእይ ፃውዒት ኣቕሪቦም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊቀጳጳስ ብፁእ ኣቡነ ኤርሚያስ ማሕበረሰብ ዓለም ቅርሲ ቅዱስ ላሊበላ ንክርእይ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ዝነበረ ኲናትን ቅርሲ ቅዱስ ላሊበላ ምንቅስቓስ ቱሪዝምን እቲ ከተማን ልዑል ፅዕንቶ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ናይ ፀገም ስፍሓትን ዕምቆትን ብምግንዛብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንደገፍ ኢዱ ንክዝርግሕ እውን ፀዊዖም።

እቲ ቅርሲ ንኢትዮጵያ ሃፍቲ፣ ንህዝባ ኩርዓት፣ ንቤተክርስቲያን ልዑል ውፅኢት መንፈሳዊ ጥበብን መግለፂን ብምዃኑ መንግስቲ ሓዊሱ ካልኦት ዘይመነገስታዊ ትካላት እቲ ፀገም ንምፍታሕ ክረባረቡ ይግባእ ኢሎም።

ብኣዲሱ ሙሉነህ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment