ሉእላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር መንግስቲ ኢትዮጵያ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ትካላት ፌዴራልን ዓበይቲ መሰረተ ልምዓትን ናይ ምሕላው ግዴታ ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉእላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር መንግስቲ ኢትዮጵያ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ትካላት ፌዴራልን ዓበይቲ መሰረተ ልምዓትን ናይ ምሕላው ግዴታ ከምዘለዎ ገሊፁ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ብዝምልከት ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ መግለፂ ሂቡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፂ፤ ህወሓት 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ብሙሉእ ዓቕሙ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝመፅአ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ዝኣወጆ ኣብ ሰብኣዊነት ዝተደረኸ ደው ምባል ተዂሲ ዝጠሓሰ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ፃዕሪ መንግስቲ ምንም ዋጋ ስለ ዘይተውሃቦ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት እዛ ሃገር ንሳልሳይ ግዘ ናብ ጎንፂ ከምዘእተዋ ተዛሪቡ።

ህወሓት ሳልሳይ ዙር ዝኸፈቶ ጎንፂ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ዘተ ሰላም፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዘን ቦታን ንምዝርራብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድልው ከምዝኾነ ምስ ገለፀ ድሕሪ ሒደት ጊዘታት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ንፍሉያት ልኡኻትን መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ዲፕሎማትን መጥቃዕቲ ንምስንዛር ህወሓት ዘለዎ ምድላው ገሊፁ ከምዝነበረ እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ።

ህወሓት ንዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኣካላት ኣብ ዝበተኖ ደብዳበ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ምኽፋት ድልየት ከምዘለዎ ምግላፁ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሐዚ ነዝተፈጠረ ፀገም ኩሉ ብሕታዊ ተሓታቲ ህወሓት ከምዝኾነ ዝተረጋገፀ ኢዩ ኢሉ።

ጊዘን ቦታን እንተተዋሂቡዎ ካሊእ ዙር ጎንፂ ከመዝፈጥር ኣብዚ ሰሙን ዝሃቦም መግለፂታት ከምዘረድኡ እውን እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶም ስጉምቲታት ናይ ግድን ኣድለይቲ ዝኾኑ ብህወሓት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝተበገሰ ጥራሕ ዘይኮነስ ህወሓት ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ተዋዲዱ ኣብ ዝፍፅሞም ተግባራት ምኽኒያት እውን ኢዩ ኢሉ።

ብሓደ ወገን እቶም ዕላማታት ብምፍፃም ብካሊእ ወገን ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ንዝካየድ ዘተ ሰላም ድልው ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረጋጊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ኣግባብነት ኣብ ዘለዎም ኣሰራርሓታትን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊታትን ዝግዛእ ከምዝኾነ መንግስቲ ገሊፁ።

ንፁሃን ንከይጉድኡ ንምክልኻል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኲናት ኣብ ከተማታት ንከይግበር ጥንቃቐ ይገብር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ህወሓት ንፁሃን ከም መከላኸለ ኣፅዋር ኲናት ናይ ምጥቃምን ስቪል ትካላት ንወታደራዊ ሰፈርነት ናይ ምጥቃም ዝፀንሐ ልምዲ ኣለዎ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ስለዝኾነ ህዝብን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንባዕልቶም ካብ ወታደራዊ ትካላት ህወሓት ንክርሕቑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment