ሉኣላውነትን ምትሕብባርን ኣብ ዝፈታተኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ስጉምቲ ከምዝወስድ በዓል መዚ ብሮድካስት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሉኣላውነትን ምትሕብባርን ኣብ ዝፈታተኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ስጉምቲ ከምዝወስድ በዓል መዚ ብሮድካስት ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ወንድወሰን ኣንዷ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዝተወሰኑ ናይ ወፃኢ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠሩ ክስተታት ብሻራ ዝተመልአ፣ ሚዛናዊ ዘይኮነ፣ ፀገም ትኽክለኛነት ዘለዎ፣ ብዝተፈላለዩ ድሌታት ዝተመልአን ፍሉይ ልኡኽቶ ዝተሓንገጡን ዜናታትን ሰነዳዊ ምድላዋትን ከምኡ እውን ካልኦት ፀብፃባት እናተሰርሑ ምዝኾኑ ሞኒተሪንግ ሚዲያ ግምገማ ኩነታት ኣመልኪቱ ኢዩ ኢሎም።

ዝተወሰኑ ዓለም ለኸ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝሰርሑዎም ፀብፃባት ብሓፈሻ ኣስተምህሮታት ሙያ ጋዜጠኝነትን ስነ-ምግባርን ናብ ሕቶ ዘእትዉ ኢዮም ዝበሉ ኣይተ ወንድወሰን፥ እቶም ስራሕቶም ኣዚዮም ዘተዓዛዝቡን ዘናድዱን ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ክልል ትግራይ ኣቲዮም ንምፅብፃብ ሕቶ ምቕራቦም ስዒቡ ናብቲ ክልል ከይዶም ንኽፅብፅቡ መንግስቲ ፈቒዱ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ ሕፅረት ሓበሬታ ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ከም መብርሂ ኣይተ ወንድወሰን፥ በዓል መዚ ብሮድካስት ቅድሚ ሕዚ ዝተዛብዑ ፀብፃባትን ዜና ተንከፍ ሓበሬታታትን ኣብ ዝፈነዉ ጋዜጠኛታት ክሳብ ስጉምቲ ምስራዝ ፍቓድ ስራሕ ወሲዱ ኢዩ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ሉኣላውነትን ምትሕብባርን ሃገር ኣብ ዝፈታተኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ስጉምቲ ከምዝወስድ ምግላፆም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment