ሉኣላዊነት ምግቢ ንምዕዋት ንገብሮ ጉዕዞ ክንቅፅል ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ምግቢ ንምዕዋት ንገብሮ ጉዕዞ ክንቅፅል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ብትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሮም ጣልያን ዝተሰናደአ ክብረ በዓል ዝኸበረ ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ተሸሊሞም።

እቲ ሽልማት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር) ኣብ ውሕስና ምግቢን ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢን ንዘርአዩ ራኢ፣ ኣመራርሓን ቆራፅነትን፣ ኢሉ እውን ቅልጡፍ፣ ተለዋዋጢን ፈታኒን ኣብ ዝኾነ ከባቢያዊ ኩነታ ብፍርያት ስርናይ ርእስኻ ንምኽኣል ብዝተኸተሉዎ ፈጠራዊ መፍትሒ ኣፍልጦ ንመሃብ ዝተበርከተ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ “ንትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንገብሮ ፃዕሪ ዝኸበረ ሜዳሊያ ኣግሪኮላ ስለዘጎናፀፈና ምስጋናይ ክገልፅ ይደሊ” ኢሎም።

ልዑል ረብሓ ኣብ ዘለዎምን እታወት ኢንደስትሪ ኣብ ዝኾኑን ፍርያታት ሕርሻ ምድሃብና ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

“ሉኣላዊነት ምግቢ ንምዕዋት ንገብሮ ጉዕዞ ክንቅፅል ኢና” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment