ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ክውሰዱ ዝግበኦም መፍትሒታት እንታይ እንታይ ኢዮም?

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ በቢዓውዱ ዝተፈላለዩ መፍትሒታት ምውሳድ ከምዝግባእ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

ክውሰዱ ካብ ሞንጎ ዝግበኦም ቀንዲ ቀንዲ መፍትሒታት ድማ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ከምዝርከቡዎም ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፡፡

  • ሰላም ምፅናዕ
  • ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን በቢከባቢኦም ዘሎ ኣማራፂ ማይ ብምጥቃም ብሕብረት ስራሕቲ መስኖ ምስራሕ፤
  • ዝተጀመረ ፍርያት ኢኒሼቲቭ ስርናይ ክረምቲን ሓጋይን ኣጠናኺካ ክቕፅል ምግባ፤
  • ኣብ ከተማን ገፀርን ተግባራዊ እናኾ ዝርከብ ትሩፋት ሌማት ምጥንኻር፤
  • ዘላቒን ዘበን ተሳጋሪን ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ከከምከባቢኡ ምስራሕ፤
  • በቢግዚኡ ብምርምርን ብሓደሽቲ ፖሊሲን ነቲ ስራሕ ምድጋፍን ምጥንኻርን፤
  • ኣብቲ ጉዳይ ብኩሎም ኣማራፂታት ሰፊሕ ስራሕቲ ግንዛበ ምሃብ፤
  • ኣማራፂታት ዕድላት ስራሕ ምስፋሕን ሓደሽቲ ሓሳባት ብምፍልፋል ኣብ ረብሓ ምውዓል፤
  • ኣማራፂ ዕዳጋን ሜላ ምዕቛርን ምዝርጋሕ፤
  • ትካላዊ ጥምረት ምጥንኻር፤
  • ኣብቲ ዓውዲ ሃገር በቆል ፍልጠታት ምዝማንን ኣብ ረብሓ ምውዓልን፤
  • ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግቡእ ምላሽ ከምዝተውሃቦ ምፍታሽ ይርከቡዎም፡፡
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment