ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ለኣኽቲ ካብ ዘፈልፈሉዎ ሸርፊ ወፃኢ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ሽዑ ንሽዑ ብምሻጥ ዝተረፈ 50 ሚኢታዊ ንዘይተወሰነ ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ኣካውንቶም ከቕምጡ ዝኽእሉሉ ኣሰራርሓ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ከምዝበሉዎ÷ ለኣኽ ካብ ዘፈልፈሉዎ ሸርፊ ወፃኢ 50 ሚኢታዊ ሽዑ ንሽዑ ንባንኪታት ብምሻጥ ዝተረፈ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክሸጡ ይግደዱ ነይሮም።
ኣብቲ እዋን እቲ ኣሰራርሓ ብግዚያዊነት ተግባራዊ እንትግበር ዝተረጋገአ ፍሰት ሸርፊ ወፃኢ ክህሉ ብምሕሳብ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።
“ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ግን ለኣኽቲ ካብ ዘፈልፈሉዎ ሸርፊ ወፃኢ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ሽዑ ንሽዑ ብምሻጥ ዝተረፈ 50 ሚኢታዊ ንዘይተወሰነ ግዘ ኣብ ኣካውንቶም ከቕምጡ ይኽእሉ ኢዮም” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዚ ማለት ዘፈልፈሉዎ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ሓደ ወርሒ ክሸጡ ኣይግደዱን ማለት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡