ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻልን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብመሃብ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱሰብ ሞያ ጥዕናን ሰራጥተኛታት ክንክንን ሰሙን ኣፍልጦን ምስጋናን ከምዝካየድ ሚኒስትር ጥዕና ገሊፁ።
እቲ ሰሙን ኣፍልጦ ካብ 11 ክሳብ 17 ሓምለ 2013 ዓ.ም “ሰሙን ሰራሕተኛታት ዘፈር ጥዕና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ኢዩ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ነቲ ሰሙን ኣፍልጦ ኣመልኪተን ከምዝገለፀኦ፥ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ክንክንን ህይወቶም እናኸፈሉ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ቀትርን ለይቲን ከምዝደኸሙን እናደኸሙን ይርከቡ፡፡
በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ዜጋታት ንምድሓን ንሕብረተሰብ ዘምሃሩን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ከይቋፁ ርኡይ ግደ ንበርከቱ ተዋሳእቲ ዓውዲ ጥዕና ምስጋና ከምዝግበኦም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ እቲ ሰሙን ኣፍልጦን ምስጋናን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
እቲ ሰሙን ኣፍልጦ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝኽበር እንትኸውን፥ ድሕንነተ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ይተሓሎ” ዝብሉን ካልኦት ተተሓሓዝቲ መልእኽታትን ክመሓላለፉ ኢዮም ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።