ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሕዚ እውን ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝነበረ ዓቕሚ ምትሓዝ እቲ ቫይረስን ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባትን እናወሰኸ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተዛሪበን።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 13 ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 118 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢለን።

ቁፅሪ ፅኑዕ ሕሙማት እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝነበረሉ 460፤ ሕዚ ናብ 600 ክብ ምባሉ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ንተሓከምቲ ፅኑዕ ሕሙማት ሓጋዚ መተንፈሲ ኦክሲጅን ዘሎ ሕፅረት ንምፍታሕ እናሰርሐ ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ናይ ባዕሊ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ክወስድ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ድሕሪ ሕዚ ክህልዉ ዝኽእሉ ኣኼባታት ምትራፍ ዘይኮነስ፤ ኮቪድ19 ምክልኻል ብዝከኣል መልክዑ ክኸውን ከምዝግበኦ እተን ኒስቴር ኣብሪሀን።

ኣብ ከም መዘናግዒን ናይ ምሸት ሳዕስዒትን ዝበሉ ቦታታት ከምኡ እውን ኣብ ንግዲ ትካላት ዝህሉ ኮቪድ ናይ ምክልኻል ክትትል ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ኣካላት ፀፅታ ሕብረተሰብ ኮቪድ19 ንምክልኻል ዝወፅኡ መምርሒታት ብግቡእ ንኽትግብሩ ክትትል ከምዝገብሩ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ጀነራል መላኩ ፋንታ ገሊፆም።

ካብ ኣካላት ፀፅታ ሓሊፉ ትካላት ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝተቐመጡ መምርሒታት ናይ ምትግባር ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment