ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ከብቅዕ ይኽእል ‘ዩ ክብሉ ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተዛሪቦም።

ዶ/ር ተድሮስ ትማሊ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1918 ኣጋጢሙ ዝነበረ ለበዳ ስፓንሽ ፍሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንክኣቱ ክልተ ዓመት ከም ዝወሰደ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስቲ ዓለም በፂሓቶ ዘላ ምዕባለ ቴክኖሎጅን ትምህርትን ለበዳ ቫይረስኮሮና ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ክንቆፃፀሮ ንኽእል ኢና ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ብሰንኪ እቲ ዘሎ ናይ ደቂ-ሰባት ምትእስሳርን ምትሕንፋፅን እቲ ቫይረስ ብቐሊሉ ክዝርጋሕ ዕድል ከም ዘለዎ ኣጠንቂቖም።

ቫይረስኮሮና  ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ዓለም ህይወት ኣስታት 800 ሺሕ ሰበት ዝቐዘፈ እንትኸውን፥  ከባቢ 22 ነጥቢ 7 ሚልየን ሰባት ድማ ተለኺፎም ኣለው።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ እዋን ለበዳ ብዛዕባ ብልሽውናን ስርቅን መከላኸሊ ናውቲ ሕክምና ቫይረስኮሮና ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ነቶም ንብረት ዝሰርቁ ዘለው “ገበነኛታት” ክብሉ ገሊፀምዎም።

ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ሰባት ከድሕኑ ዝጓየዩ ናይ ዘለው መከላኸሊ ናይ ሰብ ሞያ ሕክምና ምስራቕ ከም ቕትለት እዩ ዝሕሰብ እውን ኢሎም።

ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ኣብ ዝተፈለለየ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ከምዝተርኣየ እወን ሓቢሮም።

ኣብ ኬንያ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ብስእነት መከላኸሊ ናውትን ሕክምናን ምድንጓይ ክፍሊት ደሞዝን ትማሊ ካብቲ ዝሰርሕዎ ሆስፒታላት ወፂኦም ኣድማ ምግባሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment