ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ ንጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጋይሽ ንምቕባል ምድላው ይገብራ ከምዘለዋ ማሕበር ሰብ ዋና ሆቴል ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ወ/ሮ ኣስቴር ሰለሞን፥ እተን ሄቴላት ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዝምጥን እንግዶት ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዘተ ከምዝገበረ ተዛሪበን።
ብመሰረት እዚ እተን ሆቴላት ኢትዮጵያዊ ጨዋነት ዝተላበሰን ነዚ ዘበን ዝምጥንን ኣገልግሎት ንምሃብ ኣድላዪ መድላው ምግባር ጀሚረን ኢለን።
ደረጅኡ ዝሓለወን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ኩለ መዳይ ኣገልግሎት ንምሃብ ይሰርሓ ከምዘለዋ እውን ገሊፀን።
ብመላኩ ገድፍ