ሆስፒታል ዓይደር ግልጋሎት ኣወሃህብኡ ንምምሕያሽ ብምትሕብባር ክስራሕ ኢዩ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ግልጋሎት ኮምፕሬንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ንምምሕያሽ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

እተን ሚኒስትር÷ ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ተዘዋዊረን ተመልኪተን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዳይሬክተር ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ÷ ኣብ ዙርያ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም ነተን ሚኒስትር ገለፃ ገይሮም።

ዶክተር ሊያ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል እውን ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዙርያ ዘተ ገይረን።

ኣወሃህባ ግልጋሎት እቲ ሆስፒታል ምምሕያሽ እናርአየ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ሰብ ሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን እቲ ሆስፒታል ነቲ ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ እናገበርዎ ዝርከቡ ፃዕሪን ምልዕዓል ስራሕን ንኢደን።

ዝተቛረፁ ግልጋሎታት ክቕፅሉ ንምግባርን ኣብ ቀረብ መድሓኒትን ናውቲን ንዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ኣመልኪተን።

እተን ሚኒስትር÷ ኣብቲ ሆስፒታል ንዝወለዳ ኣዴታትን ህፃናትን ዘገልግል ህያብ ምግብን ኣልባሳትን ከምዘበርከታ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment