ህፃናት ኣብ ኢንተርነት ክንደይ ግዜ እንተሕለፉ ፅቡቕ? ሓደጋታትከ ክህልዎ ይኽእል ዲዩ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕድል ተጠቃምነት ኢንተርነት ዝረኸቡ ህፃናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብዝርእይዎ ነገራት ብፍላይ ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቶም ዘስዕበሎም ሓደጋታት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣሰካፊ እናኾነ ይመፅእ ምህላዉ ክኢላታት የጠንቅቑ።

ህፃናት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ኢንተርነት ዝያዳ ግዜ የሕልፉ ከምዘለዉን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ካልኢት/ሰኮንድ ሓደ ህፃን ኣብ ኢንተርነት ይኣቱ ከምዘሎን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

“ህፃናት ብኢንተርነት ይዓብዩ ኣለዉ፤ ነቲ ብቐፃሊ ዝቕየር ዲጂታዊ መድረኽ ብውሑስ መንገዲ ክድህስስዎን ክጥቀምሉን ደገፍ የድልዮም” ትብል ኣብዚ ጉዳይ ተመራማሪት ኣማንዳ ሰርድ – ካብ ሲድኒ።

ህፃናት ኣብ ኢንተርነት ፅልኢ ንዝመልኦ ዘረባ፣ ዓመፅ ዝረኣዮ ትሕዝቶን ብዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ዝግበር ፃውዒታትን ስብከታትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ውዲታዊ ክልሰሓሳባትን ካልእን ክቃልዑ ምኽኣሎም ዘተሓሳስብ ኰይኑ ኣሎ።

ይዅን’ምበር “እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ግን ብኢንተርነት ዝግበር ፆታዊ ምዝመዛን ግህሰትን” ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ብመሰረት ፀብፃብ ዩኒሴፍ፥ ኢንተርነት ንህፃናት ናብ ገበነኛታት ፆታዊ ዓመፅ ህፃናት የቃልዖምን ምስኣቶም ርክብ ክገብሩን የኽእሎም። ኣሳእል ከሰጋግሩን ካልኦት ገበናት ንኽፍፅሙ ዘተባብዕ ቀሊል መገዲ ኰይኑሎምን ኣሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ስድራቤታዊ መቈፃፀሪ እንታይ እዩ?

ዘይግቡእ ትሕዝቶ ንምዕጋትን ንምምማይን ምፅራይን ዘኽእሉ ኣገባባት’ኳ እንተሃለዉ፥ ብዙሓት ወለዲ ግን ብግቡእ ከምዘይጥቀሙሎም እዮም መፅናዕትታት ዝሕብሩ።

ኣብ ቴሌፎናት ህፃናት ወይ ካልእ መሳርሒታት መቈፃፀሪ ወለዲ ምጥቃም ትሑት እዩ ዘሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣሰካፊ ይገብሮ።

ደቆም ዘይግቡእ ትሕዝቶ ካብ ምርኣይ ክኽልክሉ ወይ ክቈፃፀሩ ዝደልዩ ወለዲ ኣብቶም ኣብ ዓለም ብመንእሰያት ገኒኖም ዝዝውተሩ መድረኻት ዩትዩብን ቲክቶክን ንኣብነት ነቲ ንትሕዝቶ እኹላት ሰባት ዝፈሊ፣ “ህፃናት” ዝብል ምድብ/ዓምዲ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ነቲ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንዝጥቀሙ ዓበይቲ ህፃናት፥ ወለዲ ክትትል ዝግበረሎም ሕሳባት ክጥቀሙ ይኽእሉ፤ እዚ ድማ ደቆም ዝኸፈትዎ መርበባት ክምርምሩ እውን የኽእሎም።

ኣብ ፌስቡክ-መሰንጀር እውን ብመንገዲ ስድራቤታዊ ማእከላቱ [Family Centre] ወለዲ ግቡእ ክትትል ክገብሩ ይኽእሉ።

ቲክቶክ እውን በቲ ንስድራቤት ዝምልከት መሳርሒኡ ወለዲ ሕሳብ ሓደ መንእሰይ ወዶም ብሕታዊ ክገብርዎን ከይክገብርዎን ክውስኑ ዘኽእሎም ኣገባብ ከምዘሎ ይገልፅ።

መቈፃፀሪ ወለዲ ኢንስታግራም እውን ንመዓልታዊ ገደብ ግዜ መደብ ዕረፍቲን ሰዓታትን ደቆም ዘጠቓልል ኣገባባ ምክትታል ከምዘለዎ እዩ ዝፍለጥ።

ብመሰረት’ቲ ኣብዚ መዳይ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ግን እቲ ኣተሓሳሳቢን ኣሰካፊን ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ብዙሓት ወለዲ ነዚታት ብግቡእ ዘይጥቀሙሉ ምዃኖም ጥራይ ዘይኰነስ ዘይፈልጥዎ ምዃኖም እውን እዩ።

ሞባይላትና ዘለወን ዓቕሚ ምክትታል እንታይ ይመስል?

ኣንድሮይድን ኣፕልን ዝዓይነተን ተሌፎናት ይኹና ታብለታት፥ ወለዲ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ መከታተልን መቈፃፀርን ኣገባባት ኣለወን።

እዘን መሳርሒታት ንፍሉይ መተግበሪታት ክዓግታ ወይ ክድርታ፣ ግሉፅ ዝኾነ ትሕዝቶ ክኽልክላ፣ ዘየድሊ ዕድጊታት – ትሕዝቶ – ክድርታን ዝተፈላለዩ ዘይኣድለይቲ መርበባት ንምኽፋት ዝግበር ፈተነ’ውን ክነፅጋ ዓቕሚ ኣለወን።

ኣፕል “ስክሪን ታይም”(ግዜ ስክሪን) ጉግል “ፋሚሊ ሊንክ” (መላግቦ ስድራቤት) ይህቡ፤ ከምኡ ተመሳሰልቲ ብሳልሳይ ወገን ዝማዕበሉ መተግበሪታት ዕድል ይህቡ።

ከም ኔትፍሊክስ ዝኣመሰሉ መደረኻት ፈነወ እውን ወለዲ ደቈም ክርእይዎ ንዝደልዩ ወይ ዝኽእሉ ትሕዝቶታት፣ ቅጥዕታት መሳርሒታት ጌይም ምስ ዕድመ ዝሰማማዕ ፀወታን ትሕዝቶን ክመርፁ ከምኡ’ውን ዝግበር ዕድጊ ጌይማት ክከታተሉን ከመሓድሩን የኽእሎም።

እዞም ምቍፅፃራት ከከም ሃገራቱን ኣገልግሎት ዝህባ መደበራት ፈነወ ዘቕርባኦ ቅጥዒን ኣገባባትን ግን ዝፈላለ ኰይኑ ወለዲ መምርሒታት ዝነብሩወን ክስዕቡ ትፅቢት ይግበር።

ብዛዕባ ሓደጋታት ኢንተርነት ምስ ደቅና ብኸመይ ክንዘራረብ ይግባእ?

ምስ ደቅና ብዛዕባ ድሕነት ኢንተርነት ኣብ ኢንተርነት ዝገብርዎ ንጥፈታትን ኣገዳስነቱን ብዕቱብ ምዝርራብ መሰረታዊን እዋናዊን ምዃኑ መፅናዕቲታት የመልክቱ።

ልክዕ ከምቲ መዓልታዊ ብዛዕባ ትምህርቶም እንሓቶምን እነዘራርቦምን ብዛዕባዚ ጉዳይ ዕቱብ ዘተ ምክያድ ኣካል መዓልታዊ ወግዒ/ዕላል ምግባር ይመከር፤ በዚ ዕድል ድማ ቆልዑ ዝዀነ ስክፍታኦም ብቐሊሉ ከካፍሉ ይኽእሉ።

“እቲ ዝኸፍአ ነገር ግን ንሓደ መንእሰይ ‘እዚ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ’ ምባል’ዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ክኢላ ድሕነት ኮምፒውተር ፕሮፌሰር ኣላን ዉድዋርድ ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ከምኡ እንተተባሂሎም ህንጡይነት ስለዝሓድሮም ነቲ መርበባትን ዝተኸልከሎምን ንምርኣይ ክሰግሩሉ ዝኽእሉ መስመራት ማለት ቪፒኤን (ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ) ክጥቀሙ፤ ወይ’ውን ብኻልእ መንገዲ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ከመርፁ ወይ ክፍትኑ ከምዝኽእሉ እቲ ፕሮፌሰር የዘኻኽር።

Comments (0)
Add Comment