ህፃናት ናብ ኩይናት እናተሳወሩ ኣብ ሞት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣሸባሪ መጥቀሚ ክኸውን ኣይግባእን-ምርኮኛታት  

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንም ዘይፈልጡ ህፃናት ናብ ኩይናት እናተሳወሩ ኣብ ሞት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣሸባሪ መጥቀሚ ክኸውን ኣይግባእን ክብሉ ምርኮኛታት እቲ ኣሸባሪ ህወሓት ገሊፆም።

ካልአይ መምበረ ኣብ ፈንቲ – ረሱ ግንባር  ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ቆሲሉ ዝተማረኸ እንትኸውን፥ ካብ ከተማ መቐለ ድንገት ተዓፊኑ ምስተኣሰረ ኣብ ሰለስተ መአልቲ ስልጠና ተዋሂቡዎ ከምዘመፀ ገሊፁ።

ኣብ ግንባር እንትአቲ ንሱ ሓዊሱ ኣብዝሓ መናእሰይ መሳሪያ ክብ መከላከያ መንጢልና ክንህበኩም ኢና ኢሎሙወም ብዘይመሳሪያ ናብ ጦርነት ከምዘእተውዎም ገሊፁ።

ኣብዚ ከይዲ ክሃድም ኢሉ ከምዘይከኣለን ተወቑዑ ከምዝተትሓዘን ጠቒሱ።

ናብ ጦርነት ዝኣተና እምቢ ብምባልና  ድብደባ በዚሑና ተሰቒና ኢና እውን ኢሉ።

ንላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኣሸባሪ ድልየት ስልጣን ምምላእ ክበሃል ዕድመኦም ንጦርነት ዘይኣኸለ ህፃነት ብግፍዒ ናብ ጦርነት እነሳወሩዎም ከምዝኾ ኑ ገሊፁ።

እቶም ካልኦእ ምርኮኛታት እውን ብተመሳሳሊ ከካብ ዝሰርሕሉን ከባቢኦምን ተዓፊኖም ናብ ጦርነት ከምዝኣተዉ ኢዮም ገሊፆም።

ካብ ዝተትሓዙሉ ጀሚሩ መከላከያ ሠራዊትን ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ሰብአዊነትን ወገናዊነትን ዝመልኦ ምንክብኻብ ይገብሩሎም ከምዘለዎ ተዛሪቦም፤ ምስጋና እውን ኣቕሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment