ህፁፅ ጉባኤ ህወሓት ዕለተ ቀዳምን ሰምበትን ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ) ህፁፅ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዕለተ ቀዳምን ሰምበትን ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካይድ ጉባኤ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊን ክልላዊን ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ዝወሃብሉ ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ኣባላት ህወሓት፣ መናእሰይ፣ ምሁራን፣ ወኪላት ሲቪክ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ክሳተፉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰንበት “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ንኽልተ ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ምስላጡ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment