ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህፁፃት ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብቖራፅነት ክንሰርሕ ኢና ሰሪሕ እውን ክነረክብ ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ወይዘሮ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ እናተሃነፁ ዝርከብ ሰብ ተኮር ናይ 60 መዓልቲ ፕሮጀክታት ተዓዚበን፡፡
ኣብ እዋን ዑደተን ከምዝገለፀኦ፥ “ህፁፃት ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብቖራፅነት ክንሰርሕ ኢና ሰሪሕና እውን ክነረክብ ኢና” ኢለን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ዝገበረኦ ዑደት፥ ዘፈራት ኣገልግሎት ህዝቢ፣ ፅባቐ ከተማን ስራሕቲ ሕርሻን ዝርከቡሉ ብርኪ ተመልኪተን።
ጎድና ጎድኒ እቲ ዑደት ድማ ኣብ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ዘሎ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ህዝቢ፣ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝረኣዩ ፀገማትን ኣብ ወረዳታት ተረኺበን ምዕዛበን ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ
ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።