ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) ማሕበረሰብ ንግዲ ማሌዢያ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ንክጥቀሙ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣንዋር ኢብራሂም፣ ህዝብን መንግስቲን ማሌዢያ ኣብ ፃንሒትና ንዝሃብኩሙና ድሙቕ ኣቀባብላን ፍቕሪን ነመስግን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምትሕብባርና ጠመተኦም ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ዕደና፣ ማኑፋክቸሪንግን ተሓዳሲ ሓይሊን ኣብ ዝገበሩ ዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢሉ እውን ቁልፊ ስራሕቲ ንምጥንኻር ተስማዕሚዕና።

ማሕበረሰብ ንግዲ ማሌዢያ ብቕልጡፍ ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣብ ዘሎ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ንክጥቀሙ የተባብዕ ኢየ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment