ህዝብና ካብ ተሓጋዝነት ንምልቓቕ ዝተጀመረ ጉዕዞ ፍረ የፍሪ ኣሎ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እትመስል ዓምዩቕ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ንሓገዝ ኢድና እንዝርገሐሉ እዋን ይእኽለና ኢልና ካብ ተሓጋዝነት ንምልቓቕ ዝተጀመረ ጉዕዞ ፍረ የፍሪ ኣሎ ክብሉ ብመዓርክ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ምትሕብባር ማእኸል ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ተሓጋዝነት ኣተሓሳስባ ነፃ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣወዳድባ ብምህናፅ፣ ብብርኪ ስድራ ውሕስነት ምግቢ ኣረጋጊፅና፣ ዝተማልአ ሃገራዊ ሉእላዊነት ንምጉንፃፍ ንክንክእል ተሊምና ናብ ስራሕ ኣቲና ኣለና።

ብመሰረት እዚ ልዕሊ 10 ነጥቢ 6 ሚሊየን ህዝቢ ዝተሳተፈሉ “ካብ ተሓጋዝነት ናብ ፍሪያት፣ ንሃገራዊ ሉእላውነትን ክብሪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሀዝባዊ መድረኻት ብምክያድ መስ ሕብረተሰብ ምርድዳእ ተፈጢሩ ኮሚቴታት ተዋቒሮም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፆም።

ህዝቢ ልመና ይኣኽለና ኢሉ ንክለዓልን ካብ ተሓጋዝነት ብመልቓቕ ዝተማልአ ነፃነት ንክጎናፀፍ ዘኽእል ሕራነ ምፍጣሩ ሓቢሮም።

ከም ሃገር ክህልወና ዝግባእ ነፃነት ፖሊሲን ፅዕንቶን ኣልባ ህልውና ሉእላውነት ምጉንፃፍ እንኽእል ክብርና ንዝስፈረልና ስርናይ መስዋእቲ ገይርና እንተኣቕሪብና ጥራሕ ከምዝኾነን ካብ ተሓጋዛይነት ንምልቓቕ ብሕታዊ መፍትሒ ፍርያታውነትን ምዕባይ ከምዝኾነ ህዝብና ተረዲኡዎ ኣሎ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment