ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከም ዝግባእ ወከልቲ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ዛላኣንበሳ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲትብ ድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብቲ በዓልተ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ ኣብርሃ ተስፋይ፥ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ዘበርከትዎ ግደ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊፆም።

ሕዚ ድማ ክልቲኦም ህዝቢታት ኣብ ምፍጣር ዘላቒ ሰላም ኣሐይሎም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ወካሊ ሃገረ ኤርትራ ኣይተ ፍስሃየ ሃይሉ ብወገኖም፥ ክልቲኦም ህዝብታት ጭቆናን ድሕረትን ንምውጋድ ከምዝተቓለሱን ሕዚ እውን ንዘላቒ ሰላምን ሓድነትን ኣሐይሎም ከምዝሰርሑን ህዝቢ እቲ ከባቢ ብዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ ከይተዓብለለ ንሰላም ኣጥቢቑ ከም ዝቃለስን ገሊፆም።

ኣብ ዶባት ክልቲኡ ከባቢ ዝነብሩ ተሳተፍቲ እቲ በዓል፥ ነዚ ብኹለመዳይ ዝተኣሰሰረ ህዝቢ ንረብሓ ሕሱር ፖለቲካዊ ተፈታውነት ክብሉ ክልቲኡ ህዝቢ ንምግጫው ዝፍትኑ ሓይልታት ብዝኾነ ይኹን ተቐባልነት ከምዘይብሎም ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ መናእሰይ እታ ወረዳ የበርክትዎ ንዘለዉ ዝዓዘዘ ቃልሲ ብምንኣድ ሕዚ እውን ሓድነቶም ኣሐይሎም ቀዳምነት ንሰላም ብምሃብ ክሰርሑ ከምዝግባእ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Comments (0)
Add Comment