ህዝባዊ ዘተ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝባዊ ዘተ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ተረኺቦም።

እቲ ዘተ ፓርቲ ብልፅግና ብዴሞክራሲያዊ ምርጫ ዝተውሃቦ ሃገር ናይ ምምራሕን ረብሓ ሀዝቢ ናይ ምርግጋፅን ከቢድ ሓላፍነት ብብቕዓት ንምውፃእ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤ ዘቐመጦም ኣንፈታት ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ፀገምን ኩለ መዳይ ባህጊን ህዝቢ ብግልፂ ምንፅብራቕ ይኽእሉ ኢዮም ዝተብሃሉ ተወከልቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ እቶም ኣንፈታት ክንደይ ዝኣክል ባህጊ ህዝቢ ዘገናዘበ ኢዩ፣ ኣየኖት ጉዳያት ኣብዚ ሐዚ እዋን ትኹተር ይደሊዩ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ብምዝታይ ንቐፃሊ ስራሕ ወሳኒ እታዎት ንምርካብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብልፅግና ዘተ ይኣምን ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዝተርኣዩ ፀገማትን ብምዝታይ ንቐፃሊ ኣንፈት ንምቕማጥ ዓሊሙ መስ ህዝቢ ሓቃዊ ምድምማፅን ምትእምማንን ንክፍጠር ብሓባር ንምስራሕ ብምእማን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ከንቲባ አዳነች ኣበቤ ብግደአን፥ በልፅግና ንዕውትነት ባህጊ ህዝቢ ዝሰርሕ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ሓሳብ ህዝቢ ንምድማፅ ዝሃቦ ናይ ወክልና ሓላፍነት ዕዉት ንምግባር ወሳኒ ብምዃኑ እቲ መድረኽ ምድላው ኣድሊዩ ኢዩ ኢለን።

ብብታሙ ተክለስላሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment