ህዝባዊ በዓላትን ኣከባብራ በዓላትን ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 31 ስሩዕ ኣኼብኡ ህዝባዊ በዓላትን ኣከባብራ በዓላትን ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ህዝባዊ በዓላት ብስነ ምግባር ዝተሃንፀ ሃገር ዝፎቱ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ኢሉ እውን ንሃገርን ህዝብን ዘለዎም ረብሓ ልዑል ብምዃኑ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምሃብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ህዝባዊ በዓላት ዝኽበርሉ ብብርኪ ሃገር ብምዃኑ እቶም ዛዕባታት ዝምልከት ድንጋገታት ተፈፃሚነት ብዘለዎ ሕጊ ብኣዋጅ ንክውሰን ምግባር ግቡእ ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ ምድላዉ ተሓቢሩ።

ነባር መወሰኒ ኣዋጅ በዓላት ህዝቢን መዓልቲ ዕረፍቲን፥ ህዝባዊ በዓላት እንትኽበሩ ረብሓ ከርክቡ ብዘኽእል መገዲ ብድምቀት ዝኽበርሉ ዝርዝር ስነ ስርዓት ኣከባብራ ዘይምቕማጡ ተገሊፁ።

ብየሻምበል ምህረት

Comments (0)
Add Comment