ህዝባዊ መድረኻት ኣብ መረዳእታ ዝተደረኸ ውሳነ ንምሃብን ንኣፈታትሓ ጎንፂን ረብሓ ኣለዎም- ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝባዊ መድረኻት ኣብ መረዳእታ ዝተደረኸ ውሳነ ንምሃብን ንኣፈታትሓ ጎንፂን ረብሓ ኣለዎም ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ  ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይኸይድ ኣብ ዘሎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓታትን ባህግታትን ውሽጢ ህዝባዊ መድረኻት ዘተ ወሰንቲ ኢዮም ኢሎም።

እቶም መድረኻት መበገሲታትን መፍትሒታትን ናይ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ኣብ ምምፃእን ግንዛበ ዜጋታት ኣብ ምዕባይን ሓገዝቲ ከምዝኾኑ አወን ተዛሪቦም።

ዝተፈላለዩ ወገናት ሓሳቦም ብነፃነት ንክገልፁን ድምፆም ንከስምዑን ዘኽእሎም ከምዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም።

እቲ ድማ ኣብ መረዳእታ ዝተደረኸ ውሳነ ንምሃብን ንኣፈታትሓ ጎንፂን ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝገበርዎምን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዘካየድዎምን መድረኻት ዘተ ብመሰረት እዚ ዝተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment