ህዝቢ ጉንታ ህወሓት ብዘናፍሶ ፕሮፓጋንዳ ክደናገር ከምዘይግባእ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ጉንታ ህወሓት ብዘናፍሶ ፕሮፓጋንዳ ክደናገር ከምዘይግባእ ኣን ወፍሪ ምኽር ሕጊ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ገሊፆም።

እቲ ጁንታ ብምቁፅፃር ናብ ሕጊ ንምቕራብ ድሉዋት ከምዝኾኑ እውን ኣረጋጊፆም።

ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ኣባት ሰራዊት ከምዝበሉዎ፥ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ጁንታ ህወሓት ዝተለመደን ኩሉ ዝፈልጦን ኢዩ።

“እቲ ጁንታ ኣጥፊኡ ኣይረአኹን፣ ሰሪቑ ሓቢኡ ኣይነበርኩን” በብምባል ከምኡ እውን ዘየለ ነገር ፈጢሩ ምሕሳው ዝሰልጠነሊ ስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ክዝቢ ብፈጠራ ወረ ህወሓት ክደናገርን ክርዕድን ኣይግባእን ኢሎም እቶም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል።

ብጁንታ ህወሓት ተዓፊኑ ዝነበረን ናፅነት ዝደሊን ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ናይቲ ሰራዊት ስለ ዝደሊ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ውፅኢታዊ ኮይኑ ከምዝቐፀለ ብምግላጥ፤ “ንምኽባር ልዕልና ሃገርና ድሉዋት ኢና ኣብ ትሕቲ እቲ ሰራዊት ክሳብ ዘሎ እዋን ህዝቢ ስግኣት ከየሓድሮ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

“ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢድ እቲ ጁንታ ሒዙ ናብ ሕጊ የቕርብ እምበር ንዝኾነ ይኹን ፀላኢ ኢድ ዝህብ ኣይኮነን” ዝበሉ እቶም ኣባላት ሰራዊት፥ እዚ ድማ ጁንታ ህወሓት ኣፀቢቑ ከምዝፈልጥ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝበፅሑሉ ከባቢ ኩሉ ዘርኣዮም ፍቕሪን ክብሪን ንዝበለፀ ግቡእ ከምዘለዓዓሎም እውን ኣብሪሆም።

ጁንታ ህወሓት ንህዝቢ ብዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳታት እናዳናገሮም ይፅናሕ እምበር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተቖፃፀረን ከባቢታት እቲ ሓቂ እናተረደኦም ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment