ህዝቢ ዝናፈቖ ሰላም ንኽረክብ ግደ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዝናፈቖ ሰላም ንኽረክብ ግደ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ክብሉ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ገንዘብን ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን እዋናዊ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልንክልልን መስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ከተማ ደብረታቦርን ዞባ ደቡብ ጎንደርን ተኻይዱ፡፡

ተሳተፍቲ እተ ዘተ ሓረስታይ ቀረብ መዳበሪያ ብእዋኑ ክምለስ ዘይምግባሩ፣ ዳግመ ውዳበ ፍሉይ ሓይሊ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ክበፅሕ ምግባሩ፣ ዝተሰሓሓቱ ተረኻት ምሕካም ዘይምኽኣሉ፣ ምኽባርን ዘይምርግጋእን ናብራ፣ ሕገ መንግስቲ ዘይምምሕያሹ፣ ምምዝባል ህዝቢ ጠጠው ክብል ዘይምኽኣሉ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ብግቡእ ዘይምምረሖም፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘረሓሕቑ ሓይሊታትን ሓቢሮም ዝነብሩ ህዝቢታት ንምፍልላይ ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ዝሰርሑ ኣካላት ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ንስእነት መበገሲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሙ ፀገማት ሰላም ካብ መሰረቶም ንምፍላይን መፍትሒ ንምቕማጥን ዘኽእል ገምጋም ከምካየደ ብምዝኽኻር፤ ብፍላይ ሰላም ክልል ኣምሓራ ንምርግጋፅን እቲ ክልል ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሱ ንምምላስን አኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ኣንፈት ከምዘቐመጠ ገሊፆም።

ኣብ ሰላምን ልምዓትን ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር፣ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ ሃገር ንምህናፅ ሓበራዊ ምርድዳኣት፣ እቲ ክልል ናብ ዝተማለአ ሰላም ንኽመፅእ ካብ ፍልፍላት ንምስማዕ እቲ መድረኽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶታት ሕጋውነት ዝተኸተለ ዘላቒ ብዝኾነ መልክዑ ንኽፍታሕ ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ኣሕመድ፤ ብማዕርነት ሓድነታ ዝደንፈዐ ኣብ ምክብባር ዝተመሰረተ ሕውነት ሓበራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ሌላው አካባቢ ወደ ልማት ሲመለስ የአማራ ክልል ወደ ልማቱ እንዳይመጣ ማድረጋቸዉን ገልፀዋል።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment