ህዝቢ ኣምሓራ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ተረባሕነት ክስእን ምግባር ኣይግባእን – ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኣምሓራ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ተረባሕነት ክስእን ምግባር ኣይግባእን ክብላ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ፌዴራልን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።

ጉጅለ ልኡኽ ፌዴራል ካብ ከተማ ደሴ ዞባ ደቡብ ወሎን ምስ ዝተውፃእፅኡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሐብረተሰብ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ጠሚቱ ምይይጥ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷  ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ፌዴራልን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ፣ ሓላፊ ዘፈር ውዳበ ፓርቲ ብልፅግና ሳዳት ነሻ ከምኡ እውን ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ዘፈር ውዳበ ፍስሃ ደሳለኝን ኣመራርሓታት ከተማ ደሴን ዞባ ደቡብ ወሎን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ህዝቢ ኣምሓራ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ተረባሕነት ክስእን ምግባር ኣይግባእን፡፡

ብሽም ህዝቢ ኣምሓራ ምንጋድን ዘይተገበአ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ።

ህዝቢ ኣምሓራ ሃገር ኣብ ምህናፅን ኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕ ከይዲ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ብምግባር ድሙቕ ኣሰር ኣዕሪፉ ኢዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ድሙቕ ታሪኽ ሰፊሩ ይርከብ” ኢለን።

ስእነት ሰላም ሃገርና ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉዎ ክብላ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ብፍላይ ዘይተፈትሐን ዝፀንሐን ፀገም፣ ሓደሽቲ ዝተፈጠሩ ጠለባትን ዓለም ዝበፅሐቶ ብርኪ ምብፃሕ ዘይምኽእላን ቀንዲ ቀንዲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ሓላፊ ዘፈር ውዳበ ፓርቲ ብልፅግና ሳዳት ነሻ ብግደኦም፥ “ፓርቲ ብልፅግና ባህሊ ህንፀት ዴሞክራሲን ፖለቲካን ብምትዕርራይ ናብ ዝቐደመ ክብርና ክንምለስ ኣለና” ብምባል ቅዋም ከምዝሓዘ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment