ህዝቢ ኖርዌይ ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ህፃናት ዝውዕል 10 ቶን ህፁፅ ሓገዝ ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኖርዌይ ምስ ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት ውሕመ  (ዩኒሴፍ) ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ህፃናት ዝውዕል 10 ቶን ህፁፅ ሓገዝ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

ሓገዝ ትፅዕን ኣውሮፕላን ኖርዌይ 10 ቶን ህፁፅ ሓገዝ ሒዛ ካብ ዴንማርክ ከምዝተልዓለት ተሓቢሩ፡፡

እታ ኣውሮፕላን ናውቲ ሕክምና፣ መሕለዊ ንፅህናን ካልኦት ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝን÷ ኣብ ኮፐንሃገን ካብ ዝርከብ ዓብዪ መኽዚን ዓለም ለኸ ህፁፅ ቀረብን ሎጂስቲክስነ ሓገዝ “ዩኒሴፍ” ከምዝፀዓነት ኣቪየሽን 24 ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 20 ሚሊየን ዝበልፁ ህፃናት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment