ህዝቢ ትግራይ ከም ሕሉፍ ታሪኽ ቫይረስ ኮረና ንምሽናፍ ዓቕሚ ይኹን ተሞክሮ ኣለዎ – ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንሰለስተ ወርሒ ዘውፀኦ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣመልኪቶም ትማሊ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መብርሂኦም፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ሕሉፍ ታሪኽ ቫይረስ ኮረና ንምሽናፍ ዓቕሚ ይኹን ተሞክሮ ከምዘለዎን ሸለል ጥራሕ ክብል ከምዘይግባእን ኣገንዚቦም።

ከምቲ ንድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝተመስረተ ፎረም ሕዚ እውን ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ኩላትና ተሓጋጊዝና ንድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ዝተጀመረ መኸተ ሙሉእ ንሙሉእ ውፅኢታዊ ንምግባር ዳርጋ ንሓደ ሰሙን ገጠርን ከተማን ዳህሳስ ከምዝግበር እውን ገሊፆም።

እቲ ናይ ደገ በሪ ምዕፃው እውን ቀፃላይ ብዝኾነ መልክዑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ 14 መዓልቲታት ሕብረተሰብ ኣብ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምርዳእ ዝተኽኣለሉ ከም ዝነበረ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ኣብ ውሽጢ ሰለሰተ ወርሒ እውን ኮረና ንምዕጋት ምዕሩይ ኩነታት ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ዓበይቲ ናይ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ምክልኻል መፅናዕትታት ምክያዶምን ሕዚ ድማ ካብተን ዝዓበያ ሃገራት ተሞክሮ ብምውሳድ ሞዴልነት ንምውሳድ እናተሰርሐ ምዃኑን እውን ዶክተር ደብረፂዮን ኣብሆም።

ሰለስተ ወርሒ ሙሉእ ብሙሉእ ክዕፆ ማለት ከም ዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ክሳብ ሕዚ ብዝተረኣየ መሰረት እናቀለለ ዝከይድ ከም ዘሎን በቢ መዓልቱ ነናብ ከባቢኡ ቀረብ ኣትክልትን ፍራምረን፣ እክሊ፣ ሸቐጣትን ካልኦትን ዝኣመሰሉን ብማሕበራት ኣቢሎም ዝቐርበሉ መንገዲ ከምዘሎ ገሊፆም።

ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ሸቐጣት፣ ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ናብ ትግራይ ናይ ምእታው ስራሕቲ ጠጠው ከምዘይበለ እውን ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment