ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ፕሮፌሰር ሃረገወይን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣማኻሪት ፕሬዚደንት ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ ገሊፀን።

ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ ህዝቢ ትግራይን ኣደታትን ንፖለቲካ ክብሉ ደቆም ናብ ኲናት ከምዝለኣኹ ገሊፀን።

ብፖለቲካን ሕሶትን ተመሊኦም ንዘይጠቕም ነገር ደቆም ናብ ኲናት ምልኣኽ የኣክል ብምባል ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝዘለቐ ሽም ኲናት ከብቅዕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

“ጠበንጃ ኢዩ ናፃ ዘውፀአና ብምባል ንውላድካ ናብ ኲናት ምልኣኽ ስሕተት ኢዩ፤ ጠበንጃ ናፃ ኣየውፅን ቢሮን ብርዒን ኢዩ ናፃ ዘውፀእ” ብምባል፥ በዚ መዳይ ህዝቢ ትግራይ ተሓታቲ ከምዝኾነን ህወሓት ውፅኢት ባህሊ እቲ ማሕበረሰብ ከምዝኾነን ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ናፃ ክወፅ ዝኽእል ብትምህርቲ ከምዝኾነ ዝሓበራ ፕሮፌሰር ሃረገወይን፥ ህዝቢ ባዕሉ እንተዘይነቒሑ ከድሕኖ ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ፣ ንሓምሳ ዓመታት ብፍቓድ ኣብ ኲናት ክነብር ከምዝተገደደን የኣክል ክበሃል ከምዝግባእን ተዛሪበን።

ህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ድኽነት ከምዝነብር ብምሕባር፥ ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment