ህዝቢ ትግራይ ኣማራፂ ብምስኣኑን ኩሉ ምንቅስቓሱ ኣብ ዓይኒ ካድረ ስለዝኾነን ኢዩ እንበር ብዘለዎ ኩነታት ኣማሪሩ ኢዩ- ዶክተር ኣረጋዊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተግባር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምቅዋም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጎረቤት ክልል ብምኻድ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዱ ዝሃበ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ዝነበረ በዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር ኣረጋዊ ሓጎስ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ምሕደረን ማሕበራዊ ኩነታት ህዝብን ገሊፁ።

ዶክተር ኣረጋዊ “ስለ ሃገር” ብዝብል ኣብ ኢቲቪ ምስ ዝመሓላለፍ ፕሮግራም ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ህዝቢ ትግራይ ብስእነት መድሓኒት፣ ዓፀቦን ምምዝባልን ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ከምዘሎ ገሊፁ።

ብምኽኒያት እዚ ድማ ንቐለብ ተጠቒሙሉ ዘይፈለጥ ኣሕምልቲ ንክምገብ ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቡ።

“ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፅእ ሓገዝ ንሕድ ሕድ ሰብ 15 ኪሎ ይወሃቦ ይኹን እንበር ተመሊሶም ንፍሉይ ሓይሊ ብዝብል ብሓይሊ እንጀራ ሰንኪቱ ክህብ ይግበር ኣሎ” እውን ኢሉ።

ብሓገዝ ዝመፅኡ መድሓኒታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ኣብ ናይ ህዝቢ ሆስፒታላት መድሓኒ ከምዘየለ ገሊፁ።

ይኹን እንበር ብውልቀ ሓደሽቲ ፋርማሲታት ከምዝተኸፈቱን፥ እዚ ማለት ዝመፅእ መድሓኒት ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ይኣቲ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ኣመራርሓ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነህዝቢ ትገራይ 370 ሺሕ መንእሰይ ኣበይ ከምዝኣተወ ጠፊኡና ኢዩ ከምዝበልዎን፤ እዚ ማለት “ያው ተሰዊኡ ኢዩ” ኢሉ።

ዝቖሰለ፣ እግሩን ኢዱን ዝተቖረፀ ብዙሕ መንእሰይ ምህላዉ ብምግላፅ፥ እዚ ኩነታት ኣዝዩ ዘሕዝንን መንእሰይ ትግራይ ሐዚ ካብ ዘሎ ለውጢ ተረባሒ ክኸወነ እናተገበኦ ህይወቱን ኣካሉን ናብ ዝኸፍለሉ ዘየድሊ ኲናት ምእታዉ ጌጋ ከምዝኾነን ተዛሪቡ።

እዚ ከይኣከል ኣብዚ ሐዚ እዋን ግብረ ራዕዲ ህወሓት በቢከባቢኡ ካድረ መዲቡ ንኹሉ መንእሰይ ብፃውዒት ክተት ኲናት እናገፈፈ ናብ ኲናት ንክኣቲ ይገብር ኣሎ ኢሉ።

እዚ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ዘይተረኸበ መነእሰይ እንተሃሊዩ ወለዲ ደቆም ከምፅኡን አንተዘይኮይኑ ድማ 50 ሺሕ ብር ክኸፍሉን ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ህዝቢ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ንከይመዛበል፥ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኤርትራን ፀላኢኻ ኢዩ እናተብሃለ ዘየለ ፀላኢ ብሕሊንኡ ክሰኣል ይገብሩ ኣለዉ ብምባል ነቲ ናይ ሓሰት ፕሮፓጋንዳ ኣውጊዙ።

መንእሰይ ትግራይ “ንምንታይ ኢና እዚ ኹሉ መስዋእትነት ንከፍል ዘለና” እንተኢሉ “እዋኑ ዘይሓለወ ሕቶ ሓቲትካ” ተባሂሉ ብሕብረተሰብ ክግለልን ኣሰሩ ክጠፍእን ኢዩ ዝግበር ክብል እውን ኣብሪሁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ትግራይ ኣብ ዝወፅኣሉ እዋን፥ መከላከያ፣ ግዝያዊ ምምሕዳርን ብልፅግናን ይድግፉ ነይሮም ዝተብሃሉ ሰባት ኩሎም ከምዝተኣሰሩ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣገልግሎት መሃያን ባንኪን ዘይሕሰብ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣማራፂ ብምስኣኑን ኩሉ ምንቅስቓሱ ኣብ ዓይኒ ካድረ ስለዝኾነን ኢዩ እንበር ብዘለዎ ኩነታት ከምዘማረረ ዶክተር ኣረጋዊ ገሊፁ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኢትዮጵያዊያን ዲያስፖራን ማሕበረሰብ ዓለምን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ግደኦም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment