“ህዝቢ ትግራይ ንጁንታ ህወሓት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትሒዙ እዩ ዝፈንፈኖ” ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣይተ ጊደና መድህን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)“ህዝቢ ትግራይ ንጁንታ ህወሓት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትሒዙ እዩ ዝፈንፈኖ ከብሉ ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣይተ ጊደና መድህን ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ጁንታ ህወሓት ብስሙ ይንግድ ምህላው ተረዲእዎ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትሒዙ ከምዝተፍኦም ኣይተ ጊደና መድህን ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓማውቲ እኳ እንተርኢና ኣብ እንባስነይቲ፣ ዓብይ ዓዲ፣ እግሪ ሓሪባ፣ ዋጅራት፣ ራያን ሽረን ከባቢ ዓበይቲ ተቓውሞ ነይሩ። ኣብ እንባስነይቲ ህዝቢ ንተሞም ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ኣይውኩሉናን ብምባል ኣይተቐበሎምን ዝበሉ ኣይተ ጊደና፣ ነዚ ዝፅብፅብ መራኸቢ ሓፋሽ ስለዘይነበረ ኩሉ ሰብ ኣይሰምዖን።

ብተመሳሳሊ እግሪ ሓሪባ ( መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ከባቢ) ብሓይሊ መሬቶም ዝተመንጠሉ ነበርቲ ፖሊስ ኣባሪሮም ናይ ባዕሎም ምምሕዳር ክሳዕ ምምስራት በፂሖም እዮም፤ በዚ ድማ ብዙሓት ተኣሲሮም እዮም ክብሉ ኣይተ ጊደና ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment