ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ህወሓት ኣብ ስቓይ ከምዝርከብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ህወሓት ኣብ ስቓይ ከምዝርከብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ግምባር ማይፀብሪ ዘሰለፎም ዕጡቓት÷ ብጥምር ጦር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ዕጡቓት÷ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ “ተኸቢብካ፣ ተወሪርካ፤ ኩሉ ናብ ኲናት ይውፃእ” ብዝብል ካብ ገዛ ሓደ ሰብ እናወሰደ ብግዲ ናብ ኲናተ እናኣጎደ ምፅንሑ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ልዕሊ 6ይ ክፍሊ ዝኾነ ኩሉ ናብ ኵናት ብምውሳድ እቲ ክልል ወለዶ ኣልባ ንኽኸውን ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ እቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው ከምዝኣተወ ዝገለፁ እቶም ዕጡቓት÷ ንኲናት ብግዲ ዝኣተወ መንእሰይ ድማ ብዱርን በረኻን እናሃለቐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ግምባር ማይፀብሪ ዘሰለፎ ክፍለጦር በቲ ጥምር ጦር ልዑል ክሳራ እናበፅሖ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment