ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ንምንጋዕ ካብ ዝሰርሑ ሓይሊታት ንገዛእ ርእሱ ክሕሊን ክቃለሶምን ይግባእ – ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ንምንጋዕ ካብ ዝሰርሑ ሓይሊታት ንገዛእ ርእሱ ክሕሊን ክቃለሶምን ይግባእ  ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ተዛሪቦም።

ዶክተር ሙሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ወረታት እናነዝሑ ሰላሙ ንምንጋዕ ንዝሰርሑ ሓይሊታት ክቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ህዝቢ “ብዕራይ ወለደ” ወረታት እናወዝዑ ሰላሙ ንምንጋዕ ካብ ዝሰርሑ ሓይሊታት ንገዛእ ርእሱ ክሕሊን ክቃለሶምን ይግባእ እውን ኢሎም።

ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተረጋገዐ ከምዝኾነ ዘበርሁ እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ፥ አቲ ህዝቢ ምንም ዓይነት ስግኣት ከይሓድሮ ኣፅንኦት ሂቦም።

ትማሊ ብግዕዝይናን ዝምድናን ህዝቢ ከሳቕዩ ዝፀንሑ ውልቀ ሰባት ሐዚ እውን ብኻሊእ ተግባር ገበን ዝፍፅሙ እንተኾይኖም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ብዴሞክራሲ ይኹን ልምዓት ተረባሒ እንተይኮነ ጉጅለ ህወሓት ንናይ ባዕሉ ረብሓ ክጥቀመሉ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንህዝቢ ቅኑዕ ዴሞክራሲን ተረባሕነትን ንምርግጋፅ ድልው ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ዝጀመሮ ምትሕብባር ኣጠናኸሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።

ገበነኛ ጉጅለ ጁንታ ሒዝካ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ ህዝቢ ንክተሓባበር ፃውዒት ከምዘቕረቡ እወን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment