ህዝቢ ትግራይ ህዝቢና ኢዩ ህዝብና ዝጎድእ ስጉምቲ ብምውሳድ ፅባሕ ዘናሰሐና ተግባር ክንፍፅም ኣይንደሊን – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ትግራይ ህዝቢና ኢዩ ህዝብና ዝጎድእ ስጉምቲ ወሲድና ጥፍኣት ብምክያድ ፅባሕ ዘናሰሐና ተግባር ክንፍፅም ኣይንደሊን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ትማሊ ምስ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይን ኣብቲ ክልል ዝካየድ መረፃን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ መንግስቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘለዎ ርክብ ብመንፅር ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ዝሪኦን ዝሓስቦን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ህዝቢ ትግራይ ይጎድእ ዶስ ይጠቅም ብዝብል ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወደበ ዝተወሰነ ጉጅለን ዝፈሊ ሓሳብ እንተዘይ ሒዝና ነቲ ጉጅለ ብምፅላእ ወይ ድማ ነቲ ጉጅለ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ህዝቢ ተጎዳኢ ምግባር ከምዘይግባእን ኣግባብ ከምዘይኮነን ኣብሪሆም።

“ህዝቢ ትግራይ ህዝቢና ኢዩ ህዝብና ዝጎድእ ስጉምቲ ወሲድና ጥፍኣት ብምክያድ ፅባሕ ዘናሰሐና ተግባር ክንፍፅም ኣይንደሊን” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዝሳለጥ መረፃ ሕጋዊ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ተኸቢብካ ኣለኻ ከፍርሰካ ኢዩ ብምባል ዝካየድ ናይ ምድንጋር መረፃ ኢዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ልክዕ ከም ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ትግራይ መንግስቲ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ ከምዝኾነ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጥ ይግባእ ኢሎም።

“ህወሓት መንግስትነቱ ከብቅዕ ወይ እውን ክቕፅል ዝኽእል ኣብ ዝቕፅል መረፃ ኢዩ፤ ኣብ ሞንጎ እዚ ዝካየድ ኣኼባ ዕቁብን እድርን መንደር ግና ነዓና ክንድዚ ዘኣክል ሕማም ርእሲ ክኾነና ኣይኽእልን” ብምባል ገሊፆምዎ።

ኣብ ቀፃሊ ብብርኪ ሃገር ዝካየድ፥ ብፓርላማ ይኹን ዝግበሩ ኩሎም ሃገራዊ መረፃታት ዘይሳተፍ እንተኾይኑ ግን ተቐባልነት ኣይህልዎን ኢሎም።

እቲ ሐዚ ዝሳለጥ መረፃ ከም መረፃ ምርኣይ ከምዘይግባእን ሕጋዊ ከምዘይኮነን ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ከም ሕፅረት ማይ፣ ሕፅረት ጥዕና ጣቢያ፣ ድኽነት፣ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ዝበሉ ብዙሓት ፀገማት ከምዘለዉ ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም።

እቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ኣድሂብና ክንርሕ እናተገበአ ዓቕሚ ስለዘለዎ ናብ ኲናት እንተኸይዱ፥ ንህዝቢ ብዝበለፀ ናብ ሓደጋ ከእትዎ ስለኽእል ብመንግስቲ ጥበብ ምሕላፍ ከምዝመረፀ እውን ኣብሪሆም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ ኲናት ኣየድሊያን ዝብል እምነት ኢዩ ዘለኒ፤ ናብ ትግራይ ጥይት ዘይኮነስ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ኢየ ክልእኽ ዝደሊ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

ውስንነት አለብን፡፡እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment