ህዝቢ ሱዳን ንኣልሲሲ ዝተቓወሞም ግብፂ ድሌታ ብሱዳን ኣቢላ ንምፍፃም እናሸረበት ምዃና ብምግንዛብ ኢዩ – ሱዳናዊ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ሱዳን ንፕሬዚዳንት ግብፂ ኣልሲሲ ዝተቓወሞም ግብፂ ድሌታ ብሱዳን ኣቢላ ንምፍፃም ትገብሮ ሽርሒ ብምኹናን ከምዝኾነ ሱዳናዊ በዓል ሞያ ሚዲያን ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካን ኣይተ ሃሊ ያሂያ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ሃሊ ያዲያ፥ ኣብዚ ሰሙን ፕሬዚዳንት ኣልሲሲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተረኸቡሉ እዋን ተቓውሞ ህዝቢ ክገጥሞም ዝኸኣለ፤ ግብፂ ድሌታ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ፅዕንቶ ብምፍጣር ረብሓኣ ንምኽባር ትገብሮ ሽርሒ ብምቋም ኢዩ።

ግብፂ ብኣንፈት ሰሜን ምብራቕ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ሱዳን ብሓይሊ ወሪራ ምሓዛ ንህዝቢ ከምዘቖጠዐ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሃሊ፥ ግብፂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሓላቒት መሲላ ምቕራባ ንሱዳን ሓሲባ ከምዘይኮነት ህዝቡ ኣፀቢቑ ከምዝፈልጥ ገሊፆም።

ህዝቢ ሱዳን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ልዑል ረብሓ ከምዝህቦ ይፈልጥ ኢዩ እውን ኢሎም፡፡

ግብፂ ግድብ ኣስዋን ኣብ ዘሃነፀትተሉ እዋን 27 ሰፈራ መንደራትን ልዕሊ 3 ሚሊየን ኣትክልቲ ተምሪ ኣዕለቕሊቖም ኢዮም፤ 500 ሺሕ ሱዳናውያን ተመዛቢሎም ኢዮም፤ ነዚ ኩሉ ጥፍኣቶም ዝኾነ ይኹን ካሕሳ እንተይሃቡ ካብዚ ብዝገደደ መሬቶም ስለዝወረሩዎም ህዝቢ ሱዳን ክሳብ ሕዚ ከምዝቃወሞም ኣመልኪቶም።

ግብፂ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ሰምምዕነት ምፍፃማን ሓበራዊ ወታደራዊ ልምምድ ምግባራን ህዝቢ ሱዳን እናኾነነ ከምዝኾነ እቶም ተንታኒ ፖለቲካ ገሊፆም፡፡

ግብፂ ንሱዳን ናብ ኲናት እናደፋፈአታ ዘላ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ልዕልነት ክትሕዝ ኢያ ካብ ዝብል ስግኣት ዝብገስ ከምዝኾነ ምግላፆ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ፀሪሑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment