ህዝቢ ማእኸል ዝገበሩ ተግባራት ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ወሳኒ ተግባር ኢዩ – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትረ ሰላም ወይዘሮ ሙሪያት ሰላም ምስ ኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበለኦ፥ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ትካላዊ ናፅነቱ ዝተሓለወን ከምዝኾነን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝኾነ ይኹን ስራሕቱ ኢድ ከምዘየእቱ ብምግላፅ፤ብሓባርን ብምትሕብባርን ሰዝስርሑ ጉዳያት ከምዘለዉ ኣብሪሀን።

ስዘለዝኾነ ድማ ብፅሒት ስራሕ ብዘይምትሕውዋስ ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ስለዘድሊ እቲ ዘተ ከምዝተኻየደ ገሊፀን።

ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ኣብ ህዝቢ ዝተደረሀ ክኸውን ይግባእ ዝበላ ወይዘሮ ሙፈርያት፥ ኣብ ሊሂቃን ዘይተንጠልጠለ ፖለቲካ ምህናፅ ከምዘድሊ ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ ሚኒስቴር ሰላምን ብሄራዊ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ብምዃን ሰፋሕቲ መድረኻት ዘተ ህዝቢ፣ ልሂቃንን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ብምኽፋት ስራሕቲ ዕርቂን ሰላምን ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ተሓቢሩ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሎሬት የትነበርሽ ንጉሴ፥ “ንሕና ንሰርሖ ስራሕ ዘላቒ፣ ትውልዲ ዘሳግር ሰላም ንምርግጋፅ” ኢዩ ኢለን።

ኣባላት እቲ ኮሚሽን ብግደኦም ሚኒስቴር  ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብምድናቕ፤ ከም ቅንዲ መዳርግቲ ኣካል ከምዝሪኡዎ ምሕባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኀባናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment