ህዝቢን መንግስቲን ሉኣላውነት ሃገር ንምሕላው ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ናይ ውሽጢ ግብረ ራዕዳውያን ጉጅለታትም ተሓናኒቑ ይርከብ – ደ/ር ኣብርሃም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢን መንግስቲን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኸፈቱ ዓውደ ውግኣት ብዝግባእ ኣፅሪዮም ንባዕሎም ንምክልኃልን ሉኣላውነት ሃገርን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንምሕላው ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ናይ ውሽጢ ግብረ ራዕዳውያን ጉጅለታትን ብቕሉዕ ተሓናኒቑ ከምዝርከብ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እዚ ዝተናበበን ሽቱኡ ረብሓኣ ንምሕላው ዘይትኽል ድኽቲ ሃገር ናይ ምርግጋፅ ድሌት፣ ዝተበተነን ብግዝኣት እውን ዝተኸፋፈለ ህዝቢን ሃገርን ንምዕሳል ሕልሚ፣ ዞባዊ ዘይምርግጋዕን ዘይምትእምማንን ብምጥቃም ንዓመታት ዝዘልቕ ዘይፍትሓዊ ብሄራዊ ረብሓታትን ናይ ምጥያሽን ናይ ምድልዳልን ሽርሒ ንምስራሕ ቅሉቕ ቅድድም ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ብዓቢዪ ህዝባዊ ተቐባልነት ንዝመፅአ መንግስቲን ብታሪኹ፣ ብመንነቱ፣ ብጅግንነትን ብፅኑዕ ተምሳሌታዊ ተጋድሎን ደሚቑ ብዕቱብ ዝኸተተን ብጅግንነት ንዝተሰለፈን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጋህዲ ዝረአ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሰራዊት ምክልኻልና፣ ሚሊሻ፣ ፍሉይ ሓይሊን ሓጋዚ ህዝባዊ ውዳበ ፀፅታን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ምስ ዘሎ ደጀን ህዝብና ብምውዳድ ንፃውዒት ክተት እናሃቡዎ ዝርከቡ ቅልጡፍ ምላሽ ዘኹርዕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዚ ብውግእ፣ ብፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶን ከምኡ እውን ብሚዲያን ስነ-ኣእምሮኣዊ ፅዕንቶን ዝግለፅ ኲናትን ብኹሉ ኣንፈት ዝዘንብ መጥቃዕቲን መንግስቲን ህዝቢን ብግቡእ ብምምካት ናይ ኣቦታቱ ታሪኽ ተጋድሎ ንምድጋም ብሓደ ከምዝተሰለፈ እውን እቶም ሚኒስትር ኣብ ፌስቡክ ገፆም ፅፎም።

ባንዳ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ናይ ትፍኣት መሻርኽቱ ሸኔን ካብ ውሽጢ፣ ብታሪኽ ፀላእነቶም ዝፀንዑ ጥቕሚ መምርሒኦም ብጉልበት ንምፅን ዝፅዕሩ ግልፂ ኢዶም ዘእትዉ ሓይሊታት ካብ ወፃኢ፤ መንግስቲን ህዝቢን ኣምሪሮም ዝቃለሱዎም ፀላእቲ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment