ህዝቡላህ ኣብ እስራኤል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ድሮን ወተሃደራት ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዒላማ ብዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን ኣርባዕተ ወተሃደራት ከም ዝተቐተሉን 58 ከም ዝቖሰሉን ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

ካብ ደቡባዊ ሃይፋ 33 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መደብር ሰራዊት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፥ ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሸውዓተ ወተሃደራት ኸቢድ ጉድኣት ከምዘበፅሖም ኣፍሊጡ።

ህዝቡላሕ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ ሓላፍነት ብምውሳድ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቴልኣቪቭን ሃይፋን ዝርከብ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብርጌድ ጎላኒ ዝስልጥነሉ መዓስከር ዒላማ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

ቤት-ፅሕፈት ሚድያ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፥ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ቤይሩትን ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ዓፀፋዊ ምላሽ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

ህዝቡላሕ፥ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከብ መዓስከር “ሰብኣልቦ ነፈርቲ” ተጠቒሙ ዒላማ ከም ዝገበሮ ምሕባሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment