ህዝበ ሙስሊም ፆመ ሮሞዳን ብፍሉይ ፀሎትን ሓሊዮትን ከሕልፎ ከምዝግባእ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝበ ሙስሊም ፆመ ሮሞዳን ብፍሉይ ፀሎትን ሓሊዮትን ከሕልፎ ከምዝግባእ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ፆመ ሮሞዳን ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ሎሚ ዓመት ዝኽበር ፆመ ረመዳን፥ መሳጊድ ብምኽኒያት ምዕፃዎም ሰላት ጀመኣን ጁምኣን ዘይፍፀም ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ሓቢሮም።

እቲ ፆም ንገዛእ ርእስና ካብ ሕማም ቫይረስኮሮና ብምክልኻል ዝመፅአ ፈተና ንክቕንጠጥ ፀሎት እንገብረሉ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

“ነዚ ክቡር ዕለት ዘብፀሐና ኣላህ ብምምስጋን እወንታዊ ስራሕትና ናብ ኩሉ ንምብፃሕ ክንጥቀመሉ ይግባእ” ድማ ኢሎም።

ብመሰረት ኡለማታት ዝደንገግዎን መንግስቲ ዝሃቦ መምርሕን መንፈሳዊ ተግባራት ኣብ መንበሪ ገዛ ጥራሕ ምፍፃም እዚ እዋን ዝሓቶ ግዴታ ከምዝኾነ እውን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ገሊፆም።

ካብ መስጊድ ወፃእ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኣብ ከባቢ መንበሪ ብጀመዓ ንምስጋድ ዝግበር ፃዕሪ ትኽክል ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ ንቫይረስ ኮሮና ከምዘጋልፅ ኣተሓሳሲቦም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጅ ዑመር ኢድሪስ ከምዝበልዎ፥ ፆመ ረመዳን ወርሒ እንተተራእያ ረቡዕ ወይ ሓሙስ ምሸት እንተዘይተራእያ ድማ ዓርቢ ከምዝጅምር ገሊፆም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment