ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልኣድሃ እንተኽብር ብምትሕብባርን ምድግጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልኣድሃ እንተኽብር ብምትሕብባርን ምድግጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

መበል 1 ሽሕን 443 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዝተረኸቡ ኣቦታት ሃይማኖት፥ ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልኣድሃ እንተኽብር ብሰላምን ምድግጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

እቲ በዓል ኣብ ከተማ ደሴ፣ ድሬዳዋ፣ ጅማ፣ ሃረርን ካልኦት ከተማታት ሃገርና ብድምቀት ተኸቢሩ።

በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ  ነቢዩ ሙሓመድ ዘረኝነትንን ቁሸታዊነትን ዘውገዝሉ ብምዃኑ ሙስሊም ማሕበረሰብ ካብ ኣዕነውቲ ተግባራት ክከላኸል ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment