ህወሓት ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ድልየት ከምዘይብሉ ብናይ ባዕሉ ሰነድ ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምፍታሕ ድልየት ከምዘይብሉ ሸሊኹ ብዝወፅአ ናይ ባዕሉ ሰነድ ኣረጋጊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ “ኣካይዳን ስትራቴጂን መዛዘሚ ምዕራፍ” ብዝብል ዘዳለዎ ሰነድ ሸሊኹ ወፂኡ።

እቲ ሰነድ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ኣማራፂ ሰላም ዝረገፀን ንህዝቢ ተግራይ ዘለዎ ንዕቐት ዘርኣየን ኢዩ።

“ኣብ ከይዲ ኲናይ ናይ ሓበሬታ ልዕልነት ንምርካብን ብዙሓይ ሓይሊታት ኣብ ጎንኻ ንምስላፍን ንማሕበረሰብ ዓለም ፀገማት ብሰላም ንምፍታሕ ቁርፀኛ ከምዝኾንካ ኣምሲልካ ንባዕልኻ ምቕራብ ከምዝኾነ ከርሳዕ ኣይግባእን” እንትብል ከምዝሓሰወን ዘጭበርበረን እቲ ሰነድ ኣረጋጊፁ።

መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኝነት ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ ኢሉ እቲ ድርድር ብሕብረት ኣፍሪካ ንኽካየድ ቁርፀኛ ምዃኑ እንተረጋገፀ እውን፥ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ግን “ መንግስቲ ኢትዮዮጵያ ብኣዳራዳሪነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ኣካይዳ ፍፁም ዘየዋፅእ ኢዩ” እንትብል ነቲ ሰላማዊ መፍትሒ ዘይምቕባሉ እቲ ሚስጢራዊ ሰነድ ኣመላኺቱ።

“ዘላቒ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብመንግስቲ ኣማራፂ ሰላም ዘይኮነስ ብቅልፅምና ጥራሕ ምዃኑ ብፅኑዕ ንኣምን” ብዘብል ኣካይዳ መናእሰይን ህፃናትን ትግራይ ናብ ኲናት ምስዋሩ እቲ ሰነድ ኣረጋጊፁ።

ነህዝቢ ተግራይ ዝሓዘነ ብምምሳል ነህዝቢ ትግራይ ናፃ ንክወፅእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውገድ ኣለዎ ምባሉ አወን እቲ ሰነድ ሓቢሩ።

ኣማራፂ ሰላም ብምርጋፅ ንዝነዝሖ ራዕዲ እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን መሻርኽቲ ከምዘለውዎ እቲ ሰነድ ኣርእዩ።

“ናይ ውሽጢ ቃልስና ብምሕጋዝ ዝንቀሳቐሱ ከም ኦነግ ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ከምኡወን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይን ዓለም ለኸ ሓገዝቲን ኣብዚ እዋን ዝተዓወተ ጥምረት ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ አንገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ጎንና ምዃኖም ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ክልልና ብዕፅው ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኣረጋጊፁ” ኢሉ እቲ ሰነድ።

እቲ ምስጢራዊ ሰነድ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ውሽጣዊ ዓቕሙ ብምጥንኻር ብዙሓት መናእሰይ ናብ ኲናት ብምልኣኽ ሃገር ናይ ምፍራስ ተግባሩ ከምዝቕፅለሉ የመልክት፡፡

“ንመናእሰይ ትግራይ ሕዚ ዝግበር ቃልሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልስና ከምዝኾነ ብምእማን ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ወፍሪ ንባዕሉ ገምጊሙ ዝነበሩ ክፍተታ ኩሎም ብምዕፃው ንምንቅስቓስ ቆሪፁ ከምዝተለዓለን ህዝቢ ትግራይ ንምእማን ዘኽእል ስራሕቲ ሚዲያ እናተሰርሐ ይርከብ” ይብል።

“ዓቕሚ ዕጥቂን መሳርሒን ዘይምጥንኻር ኣብ ዝሓለፉ ወፍሪታት ዝነበረና ክፍተት ከምዝኾነ ተገምጊሙ ኢዩ” ዝበለ እቲ ሰነድ፥ “እዚ ገምጋም ብምርኣይ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ሓገዝትና ኣብ ኣፀጋሚን ዝተሓላለኸን እዋን እውን እንተኾነ ነቲ ፀገም ሓሊፎም ዘበናዊ ዕጥቂታት ንኽንዕጠቕ ገይሮምና ኢዮም” ክብል እቲ ሰነድ ህወሓት ክንደይ ዝኣክል ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣርኢዩ።

“ናይዚ ወፍሪ ምዕራፍ መሪርን ብዙሕ መስዋእትነትን ዝሓትት ስለዝኾነ ሕዚ እውን ዘበናዊ ዕጥቂ ንሰራዊትና ኣጠናኺና ንኸቕርቡልና ዘኽእሉ ኩነታታት ንምፍጣር ምስ ናይ ውሽጢፃኢን ተሓጋገዝቲና ዘለና ስራሕ ኣጠናኺና ክንቅፅል ይግባእ” ብዝብል ዘቐመጦ ሓሳብ እውን ካብ ሰላማዊ መፍትሒ ንላዕሊ እቲ ጉጅለ ንኲናት እናተዳለወ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ፡፡

ብሓፈሻ ግብረ ራዕዲ ህወሓ ብላዕሊ ላዕሊ ሰላም እንትብል ይረአ እምበር፥ እቲ ጉጅለ ሰላም ሰላም ዝብል ዲስኩሩ ንኲናት ንምስንዳእ መዘናግዒ እናተጠቐመሉ ከምዝነበረ እቲ ሰነድ ብቅሉዕ ኣርኢዩ ኢዩ።

“ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ሓገዝቲ ትካላት መኻዚን ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ፋሺሽት ንምውጋድ ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ቀረብ ስንቂ ከይጓል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና ክንገብሮ ይግባእ” ክብዝ ዘቐመጦ ሓሳብ ድማ ንዝተፀገሙ ነበርቲ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ እኽሊ ብዘይሕፍረት ንኲናት ዕላማ እናተጠቐመሉ ከምዝርከብ ዘረጋገፀ ኢዩ።

“ምስ መተሓባበርቲ ዓለም ለኸ ሓገዝቲ ትካላት እወንታዊ ዝኾነ ርረክብ ብምጥንኻር ጥሜትን ተሓጋዛይነትን ካብ ልዕሊ ህዝብና ንከይወርድ ንእንገብሮ ቃልሲ ሓገዝቲ ክኾኑን ኣብ ጎንና ጠጠው ንኽብሉን ክንገብር ይግባእ” ክብል እውን ዓለም ለኸ ሓገዝቲ ትካላት ዘይሕጋዊ ተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንኽፍኑሉ ከምዝሰርሕ ዘርኢ ኮይኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment