ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተርአየ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ለውጢ ስዒቦም፣ ዝተልዐሉ ናዕብታትን ጎንፅታትን ብሕቡእ ይኹን ብግልፂ ኣፍራሳይ ልእኽቶ ከምዝነበሮ ዶክተር ኣብራሃም በላይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፣ አብ ሃገርና ዝተርአየ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ለውጢ ስዒቦም፣ ዝተልዐሉ ናዕብታትን ጎንፅታትን ብሕቡእ ይኹን ብግልፂ ኣፍራሳይ ልእኽቶ ከምዝነበሮ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ኣብራሃም በላይ ገሊፆም።

“ትማሊ ምሸት ድማ ኣብ ልዕሊ ዓቃቢ ሰላምን ደጀን ህዝቢ ትግራይን ብምዃን ንዓመታት ዋጋ እናኸፈለን ዝርከብ መከላኸሊ ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕትን አካይዱ አሎ” ኢሎም።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ድማ መንግስቲ ፌዴራል ሕጊ ንምኽባር ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝተገደደ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ዝወሰዶ ስጉምቲ፥ ብዓነቱ ዝተፈለየን ብታሪኽ እውን ሓዱሽ ዝኾነን ተግባር ክሕደት ብምፍፃም፣ ንዓመታት ንኽብርን ሓድነትን ሃገሮም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ህዝብታት ዘለዎ ርኡይ ንዕቐት ዘርአየሉ ከምዝኾነን በዚ ምኽንያት ልአላዊነት ሃገር አብ ሓደጋ ክወድቕ ብምግባሩ አድላዪ ዝበሃል ሕጋዊ ስጉምቲ እናተወሰደሉ ከምዝርከብን ኣብሪሆም።

ፈታዊ ሰላምን ሰላማዊን ፍሉይ ሓይሊን ብምልሻን ትግራይ፥ ብመንግስቲ ፌደራልን ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራን ዝተገበረሉ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ጎረቤቱን ሓዉን ዝኾነ ህዝቢ አምሓራ ብሰላም ክሕወስን ምስ አካላት ምምሕዳር እቲ ኽልል ብቕርበት ብምስራሕ ህፁፅን ሰላማዊን ስግግር አብ ምዕሳል ግድኡ ንኽፃወት ፀዊዖም።

ዶክተር ኣብራሃም በላይ፥ “በዚ መጥፍኢ ታሪኽን ሃዳሚ ጉጅለን አብ ሃገርና ዝተሃቀነ ተግባር ክሕደት፣ መላእ ህዝቢ ትግራይ አብ ጎድኒ ሓይልታት መከላኸሊ ሃገርን መላእ ህዝቢታት ሃገርናን ደው ብምባል ብፅንዓት ክምክቱ፣ ከምኡ እውን ነቲ ተግባር ክሕደት ሃገር ዝተጎልበበ ሓይሊ የኣክል ብምባል ቅኑዕ ኢትዮጵያዊነትኩም ክተረጋግፁን ታሪኽኩም ክትሕድሱን ፃውዒተይ የቕርብ” ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment