ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዒ እንተብፅሕ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብምዃን ዕላማ እቲ ጉጅለ እንትድግፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ውሳነ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ እዚ ምዕራብ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዒ እንተብፅሕ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብምዃን ዕላማ እቲ ጉጅለ እንትድግፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ክሲ ብምምስራት ሕጋዊ ውሳነ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ውሳነ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ብምውዳብ፣ መሰኻኽር ብምስማዕን ክሲ ብምምስራትን ዝወሃብ ዘሎ ከመዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ምድብ መጋባእያ ወተሃደራዊ ቤት ፈርዲ እቲ እዚ ኮሎኔል ማርዬ እባቡ፥ ኣሸባሪ ህወሓት መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብምዃን እቲ ሰራዊት ተስፋ ንምቑራፅን ካብ ተልእኹኡ ንምትዕንቓፍን ብዝተወደበ መገዲ ብዙሓት ካብ እቲ ኣሸባሪ ተልእኾ ዝተቐበሉ ኣባላት ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ኮሎኔል ማርዬ እቶም ኣባላት ቀታሊ መርዚ ብምሓዝ እንትንቀሳቐሱ ብተፍተሽ ብዛዕባ ምርግጋፁ፣ ንኲናት ዝኸውን ኮረንሾ በምሓዝ ብመረዳእታ ብዛዕባ ምቕራቡ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፕሮፓጋንዳ ህወሓት ካብ ምውዛዕ ብተወሳኺ ካብ 30 መስከረም ጀሚሩ መነግስቲ የለን ብምባል ኣጀንዳ ህወሓት እንተናፍሱ ከመዝነበሩ ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ንህወሓት ብምውጋን ሰራዊት ካብ ህዝቢ ንምንፃል ዓሊሞም ንከማርር ብምግባር፣ ለውጢ ካብ ዘይምቕባል ንላዕሊ ፀርፊ ሓዊሱ ብልዑል ኩነታት ምንኣስ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ካብ ኣሸባሪ ህወሓት ልኡኽ ዝተውሃቦም እቶም ኣባላት ዝነበሮም ምድላው ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ካብ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ብዘይነኣኣስ ጉድኣት ንምብፃሕ ምድላው ነይሩዎም ኢሎም።

እቶም ኣባላት ብመሰረት ኣግባብ ሕጊ ከከም ጥፍኣቶም ናይ ይግበአኒ ሕቶኦም ዝተሓላወ ኮይኑ፥ ብኣብዝሓ ብሃገር ክሕደት ገበን ከምዝተኸሰሱ ሓቢሮም ኣብቲ ፈርዲ ናይ ሞትን ዕድ ልክዕ እስራትን ሓዊሱ ካልኦት ውሳነታት ተሓላሊፎም።

ዳኛ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ቀዳማዊ እዝ ምዕራብ ሻለቃ ቶማስ ማቲያስ ብግደኦም፥ ወታደራዊ ቤት ፈርዲ እቲ እዚ ኣብ ትሕቲ እቲ እዚ ካብ ዘለዉ ክፍሊታት ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን እዝ 5ኛ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር ንሰራዊት ዝወግኡን ነክውጋእ ዝተሓባበሩን ብምርመራ ብምፍላይን ክሲ ብምምስራትን ናይ ፈርዲ ውሳነታት ከምዝተውሃቡ ሓቢሮም ኣብቲ ከይዲ ሰራዊት ዝፈልጦ ምስክርነት ንምሃብ ንቑሕ ተሳትፎ ገይርና ኢና ኢሎም።

ኣብዝሓ ተኸሰስቲ ምስ ክሕደት ሃገር ብዝተተሓሓዘ ክሲ ዝተመስረተሎም እንተኾነ እውን ንኹሎም ኣብ መጋባእያ ንዝተርኣዩ ተኸሰስቲ ብመሰረት እቲ ሕጊ ተኸላኻሊ ጠበቓ ከምዝቖመሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ገፅ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment