ህወሓት ብዝፈፆሞ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 500 ሺሕ ዜጋታት ተፈናቒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ናይ ሰላም ሚኒስትርን ናይ ብሄራዊ ህፁፅ ግዜ ምላሽ መተሓባበሪ ኮሚቴ ኣካቢት ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል፥ ህወሓት ብዝፈፆሞ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ልዕሊ 500 ሺሕ ዜጋታት ተፈናቒሎም ክብላ ገሊፀን።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ ድጋፍ ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣጋር ኣካላትን ኣብ ሰብኣዊን ካልኦት ጉዳያትን መብርሂ ሂበን።

እተን ሚኒስትር መንግስቲ ናብ ትግራይ ዘእትዉ ኣርባዕተ መገዲታት እንትጥቀም ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ህወሓት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ እቶም መስመራት ከምዝተዓፀዉ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ በቶም መገዲታት ዝኸይድ ዝነበረ ሰብኣዊ ደገፍ ንክቋረፅን ሰብኣዊ ቀውሲ ንክበኣኣስን ምግባሩ ኣረዲአን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዓፋር ናብ ትግራይ ዘእቲ መስመር እንተሃለወ እውን እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ደጋጋሚ ትንኮሳን መጥቃዕቲን ብምፍፃሙ ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ ምብፃሕ ከይዲ ኣቨጋሚ ከምዝገበሮ ሓቢረን።

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ 47 ወረዳታት ንዝርከቡ ሓረስቶት ምኡፅ ዘርእን ማዳበሪያን ኣቕሪቡ ኢዩ ኢለን።
ክሳብ ሐዚ  ሰብአዊ ድጋፍ ዝፀዓና 321  ተሽከርከርቲ ነብቲ ክልል ከምዝኣተዋ እውን ተዛሪበን።

ብወንደሰን አረጋኸኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment