ህወሓት ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ፌዴሪኢ ኣፍልጦ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ፌዴሪኢ ንህወሓት ብዕለት 4 ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣፍልጦ ሂቡ።

ህወሓት ብመሰረት ዝኽተሎ መስመርን ፕሮግራምን ምስ ሓዱሽ ፓርቲ ብልፅግና ከምዘይውሃሃድ ምግላፁ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ 1162/2011 ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ- ምግባር መረፃን፥ ውድብ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ክምዝገብ ኣለዎ።

ብመሰረት እዚ እቲ ውድብ ነቶም ዝተቐመጡ ረቋሒታት ብምምልኡ ብሄራዊ መረፃ ቦርድ ፌዴሪኢ ብዕለት 4 ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣፍልጦ ከምዝሃቦ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ፍልፍል፦Tigray People’s Liberation Front/TPLF/

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment