ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መንግስቲ ዝቐረቡ ብዙሓት ኣማራፅታት ሰላም ብምሕሳም ክፍፅሙ ዝፀንሐ ፅሕተራ ብምስፋሕ ኣብ ኣዋሰንቲ ክልልት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ መንግስቲ ገሊፁ።
እቲ ግብረ ራዕዲ ዝተለመደ ማዕበል ሰብ ብምጥቃም ህፃናትን መናእሰይን ተጋሩ ናብ ሓዊ ይእጉድ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።
ዝወፅኡ ዘለዉ መረዳእታታት ስእሊ ከምዘረጋግፅዎ፥ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ካብ 12 ዓመት ጀሚሩ ዘለዉ ህፃናት ኣፅዋር ኲናት ብምትሓዝ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተሎም ከባቢታት ኣብ ቅድሚት እናሰለፈ ድራር ዓረር ንክኾኑ የገድዶም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ድሑር ስልቲ ኲናት ዝኾነ ማዕበል ሰብ ብምጥቃም ህፃናት ኣብ ቅድሚት ብምስላፍ ቀለብ ዓረር ይገብሮም ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።
መንግስቲ ፌዴሪኢ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንእሰይ ትግራይ ናብ ሓዊ እናሳወረ ብናይ ህዝቢ ማዕበል ምጥቃዕ ደው እንተዘየቢሉ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሕጋዊ፣ ሞራላዊን ታሪኻዊን ድጌትኡ ንምውፃእ ከምዝግደድ ኣተሓሳሲቡ።
ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ንኲናት ብምስላፍ ገበን ኲናት እናፈፀመ ምዃኑ ይገልፁ።
እቲ ተግባር ገበን ኲናት ግብረ ራዕዲ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ንምንታይ ስቕ ይብል? ብምባል ድማ ይሓቱ ኣለዉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።