ህንፀት ፕሮጀክት ማይ ግድብ ገረብ ግባ ንክጅመር ክልል መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱን ገንዘብ ተለቂሑን ዝጀመሮ ኢዩ – ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ፕሮጀክት ማይ ግድብ ገረብ ግባ ንክጅመር ክልል መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱን ገንዘብ ተለቂሑን ከምዝጀመሮ ምክትል ርእሰ ምምሕዳ ክልል ትግራይ ዶክትር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ቀዳማይ ምዕራፍ ግድብ ገረብ ግባ ተዛዚሙ ስነ-ስርዓት ምዕፃው መዋህለሊ ማይ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ካዕልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ከምዝበሉዎ፥ ፕሮጀክት ማይ ግድብ ገረብ ግባ ብዙሕ ፈተናታት ከምዘጋጠሙዎን በጀት ክሳብ ምኽላእ ተበፂሑ ከምዝነበረን ገሊፆም።

ይኹን እምበር እቲ ፕሮጀክት ክልል መንግስቲ ብእዋኑ ስርሑ ክጅምር ኣለዎ ኢሉ ስለዝኣመነ፥ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝኽፈል ልቃሕ መሰረት ገይሩ ህንፀቱ ኣጀሚርዎ ኢሎም።

መንግስቲ ቻይና ንዝገበሮ ምትሕብባር ዘመስገኑ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ መንግስቲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ዝዛዘም ዘድሊ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ኣብሪሆም።

ሓላፊ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ትግራይ ዶክተር ቴድሮስ ገብረእግዚኣብሄር ብግደኦም፥ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ናይቲ ፕሮጀክት ማይ ኣብ እዋኑ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ታን ጃን፥ ንመላእ ሰራሕተኛታትን ንመንግስቲ ትግራይን ብምምስጋን እቲ ፕሮጀክት ማይ ቁጠባዊ ዕብየት እቲ ክልል ክዛይድ ከምዝሕግዝ ኣገንዚቦም።

ፕሮጀክት ግድብ ገረብ ግባ ፀገም ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ንምፍታሕ ዓሊሙ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ኢዩ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ህንፀቱ ዝጀመረ እቲ ፕሮጀክት፥ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 124 ሽሕን 300 ሜትር ኪዩብ ፅሩይ መስተ ማይ ከቅርብ እዩ።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment