ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ ዲማ- ራድ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘተኣሳስር ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ ዲማ- ራድ ከምዝተዛዘመ በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ህንፀት መገዲ 60 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ህንፀት መገዲ ኣስፋልት ኮንክሪት ምዝዛሙ መማረፂ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ንምቅልጣፍ ልዑል ረብሓ ከምዝለዎ ተገሊፁ።

ምትእስሳር ትራንስፖርት ካብ ምቅልጣፉ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ከምኡ እውን ልውውጥ ንግዲ ዝተሳለጠ ኣብ ምግባር ልዑል ረብሓ ከምዝሕልዎ ተሓቢሩ።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ቡን ሓዊሱ ፍርያት ፍረምረ፣ መዓርን ቅመማ ቅመምን ካብ ምዕራባዊ ክፋለ ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ዝህልዎ ግደ ዕዙዝ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ፕሮጀክቱን በኢትዮጵያ መንግስት በተመደበ 856 ሚሊየን ብር ወጪ የተገነባ ሲሆን፥ በየኢትዮጵያ ኮንስተራክሽን ስራዎች ኮርፖራሽን መገንባቱ ባለስልጣኑ አስታውቋል፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ክልላት ጋምቤላን ደቡብን ዘራኽብ ኣካል ምትእስሳር እቲ ፕሮጀክት ዝኾነ ፕሮጀክት መገዲ ሚዛን – ዲማ እናተዛዘመ ከምዝኾነን 91 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ንውሓት ከምዝሽፍንን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment