ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ መገናኛ ውሃ ልማት – ቦሌ ወረዳ 17 ጥዕና ጣቢያ ኣብ ዝተትሐዘሉ በጀት ዓመት ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ፕሮጀክት መገዲ መገናኛ ውሃ ልማት – ቦሌ ወረዳ 17 ጥዕና ጣቢያ ኣብ ዝተትሐዘሉ በጀት ዓመት ንምዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕሮጀክት መገዲ ቅድም ክብል 800 ሜትሮ ዝኸውን ክፋል እቲ መገዲ ኬብላት ፋይቨር ኦፕቲክ ቴሌ፣ ዓምዲታት ኤሌክትሪክ መብራህቲን ገዛውቲን ኣብ እዋኖም ብዘይምልዓሎም ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተደለየሉ መጠን ከይስራሕ ማሕለኻ ኮይኖም ከምዝፀንሑ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ በዓል መዚ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር እቲ ፀገም ንኽፍታሕ ብምግባሩ ቀዳማይ ብርኪ ምንፃፍ ኣስፓልትን ስራሕቲ መገዲ እግረኛታትን ከምዝተዛዘመ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ፕሮጀክታት መገዲ ኣብ ሓፂር እዋን ካልኣይ ብርኪ ምንፃፍ ኣስፓልትን ስራሕቲ ምስትኽኻል እግረኛ መገዲታትን ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ንትራፊክ ክፍቲ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡

እቲ ፕሮጀክት 1 ነጥቢ 7 ኪሎ ሜትሮ ሓፈሻዊ ንውሓትን 20 ሜትሮ ስፍሓትን ዘለዎ እንትኸውን፥ ልዕሊ ብር 84 ነጥቢ 8 ሚሊየን ወፃኢ ብምግባር ህንፀቱ ብሃፍኮን ኮንስትራክሽን እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ናይ ምምኻርን ስራሕቲ ቁፅፅር ህንፀትን ድማ ኣማኻሪ ትካል ቤስት እናሰርሖ ይርከብ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment