ህንፀት ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ላዕለዋይ ጉደር ብብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ወፃኢ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ የካቲት 1 ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብወናናይ ኮሚሽን ልምዓት መስኖ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ላዕለዋይ ጉደር ብብር 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ወፃኢ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ከባቢ ወረዳታት ቶኬ ኩታየን ኣምቦን ኣብ ትሽዓተ ጣቢያታት ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ህንፀቱ እናተኻየደ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

የፕሮጀክቱ የግንባታ ለሶስት ዓመታት የሚቆይ ሲሆን÷የግድቡ ውሃ የመያዝ አቅም 56 ሚሊየን ሜትር ኩብ መሆኑም ተመላክቷል።

ንውሓት እቲ ግድብ 277 ሜትሮ እንትኸውን ንውሓቱ ድማ 40 ነጥቢ 5 ሜትሮ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ 12 ሺሕን 137 ሓረስቶት ተጠቀምቲ መስኖ ማይ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 387 ክፋላት ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረሎም እውን ካብ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ብዙነህ ቶልቻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment