ህንፀት ግድብ ህዳሰ እንትዛዘም ዘምፀኦም ዕድላት ናብ ረብሓ ንምልዋጥ ክንሰርሕ ኢና – ኣባላት ዳያስፖራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ እንዛዘም ዝፍጠሩ ዕድላት ናብ ረብሓ ንምልዋጥ ኣብ ኢንቨስትመንት መባፅሕቲ ቱሪዝም  ኣሰሮም ንምንባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን ብሓገዝ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ዝተዓዘበ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ዙሪያ እቲ ግድብ ዝርከቡ ዕድላት መባፅሕቲ ቱሪዝም ተመልኪቱ።

ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ኣባላት እቲ ልኡኽ፥ ክሳብ ሕዚ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ብገንዘብን ብካልኦት ተሳትፎታት እናሓገዙ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።

እቶም ኣባላት ሩባ ኣባይ ኣብ ምዕባለ ሃገር ንኽዕል ተዓዚቦም ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም።

ግብፂን ሱዳንን ንዘበናት ብብሕቲ እናተጠቐማሉ ከምዝነበራ ዝገለፁ እቶም ኣባላት፥ ሕዚ ግን ኢትዮጵያ ካብ ሩባ ኣባ ንምጥቃም ኣብ ዝጭበጥ ተስፋ ከምዝተሰጋገረት ኣብሪሆም።

ዳያስፖራ ማሕበረሰብ በቢ ሞይኡ ንኢትዮጵያ ክሕገዝ ከምዝግበኦ እውን እቶም ኣባላት ኣገንዚቦም

ግድብ ህዳሰ ክሳብ ዝዛዘም ካብ ዝገብሩዎ ኩለመዳይ ሓገዝ ብተወሳኺ ህንፀቱ እንትዛዘም ኣብ ዝፍጠሩ ኢንቨስትመንታት መስሕባት ቱሪዝም ኣሰሮም ከምዘንብሩ ኣረጋጊፆም።

ምዝዛም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ስዒቦም ዝመፅኡ ዕድላት ዓውዲ ቱሪዝም፥ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዝረኣዩ ዓብዪ ዓቕሚ ከምዘለዎምን ብመዳይ እዚ ኩለመዳይ ረብሓ እቲ ግድብ ብምርዳእ ዳያስፖራ ኩለመዳይ ተሳትፎ ክገብር ከምዝግባእ እቶም ኣባላት ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment