“ህንፀት ግዳበ ህዳሰ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ኣካቢ ቦርድ ዶክተር ደብረፂዮን ገባሪ ሓዳግነት ንልዑል ክሳራ ተቓሊዑ”-ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)“ህንፀት ግዳበ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ኣካቢ ቦርድ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ገባሪ ሓዳግነት ብቕልጡፍ ተዳኺሙ ንልዑል ክሳራ ተቓሊዑ ኢዩ” ክብሉ ነበር ሚኒስትር ማይን ኢነርጂንንን ኣብ ሩሲያ ፍሉይ ልኡኽ በዓል ሙሉእ ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣይተ ኣለማየሁ ተገኑ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ መለስ ዜናዊ ብህይወት ክሳብ ዝነበርሉ እዋን ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ በቢወርሑ ይግምገም ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ድሕሪ መስዋእቶም ግን እቲ በቢወርሑ ዝግበር ዝነበረ ገምጋም ከምዝተረፈ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣካቢ ቦርድ በቢክልተ ኣዋርሕ ብኣወዳድባ ክላስተር በቢክልተ ኣዋርሕ ሓደ ግዘ ንክረአ ኢሎም ኣንፈት ከምዘቐመጡ ብምዝኽኻር፥ ነቲ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዘይገበሩ ሓቢሮም።

ቦርድ ሓይሊ መብራህቲ እውን እቲ ፕሮጀክት ኣይግምግሞን ነይሩ ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት ብዝምልከት ንቦርድ በቢግዜኡ ሕቶ ነቕርብ ነይርና ኢና ዝበሉ ኣምባሳደር ኣለማየሁ፥ ይኹን እምበር እቲ ቦርድ ገምጊሙ ናብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ውፅኢት ኣይልእኽን ነይሩ ኢሎም።

ሰብ ዋና እቲ ዓውዲ እኳ እንተኾንና ተገሊልና ነይርና ኢና፤ ፀብፃብ እውን ካብ ሓይሊ መብራህቲ እናወሰድና ጉድለታት ንዛረብ ነይርና ኢሎም።

ካብ ሓይሊ መብራህቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ብምሓዝ መግለፂ እንትህቡ “እንታይ ኣእትይኩም ኢዩ መግለፂ ትህቡ” ብምባል እቶም ኣካቢ ቦርድ “ይኹርዩሎም” ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ብምኽኒያት እዚ እቲ ፕሮጀክት ካብ ናይ ህዝቢ ፕሮጀክትነቱ ወሪዱ ናይ ሓደ ሰብ ፕሮጀክት ኮይኑ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ህንፀት እቲ ግድብ ንውድቀት ካብ ምድራጉ ንላዕሊ “ኣብ ናይ ሃገርና ታሪክ ዘሕዝን ፍፃመ ኮይኑ ሓሊፉ ኢዩ” ኢሎም።

ውሳነታትን ስራሕቲን እቲ ግድብ ኣብ ትሕቲ ኣካቢ ቦርድ ምንባሮም ትኽክል ከምዘይኮነ ንኣባላት ቦርድ እንተተዘረበ እውን እቶም ኣባላት እውን እቲ ፕሮጀክት ከምዘይግምግሙ ከምዘፍለጡ ሓቢሮም።

እቲ ህንፀት ብኣካል ብዘይምግምጋሙ ጥራሕ ልዑል ውድቀት ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ቦርድ ፀገማቱ ብዝግባእ ንምርኣይ ሐዚ ዘሎ ቦርድ ኣብ ሓፂር እዋን ዘምፅኦ ለውጢ ምርኣይ ኣእማኒ ከምዝኾነ እኹል እዩ ኢሎም።

“እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ውልቀ ሰብ ወፂኡ ናብ ህዝቢ ተመሊሱ ኢዩ። ተመሓይሹን ምምሕዳር ኮንትራቱ ተለዊጡን ዝነኣድ ለውጢ ብምምፃእ ዳግም ሃገራዊ ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment